ሓደ ናይጄሪያዊ ሰፋዪ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ዘይቋረጽ ናይ ምስፋይ ማራቶን ብዓወት ብምዝዛም ሓድሽ ክብረወሰን ኣብ መዝገብ ጊነስ ዓለም ንምምዝጋብ ኣብ ተስፋ ዝመልኦ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ሎሚ 15 ጥቅምቲ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ቲኣርቲ ኣፍሪቃ ሓቢሩ።
ዓብዱልቃድር ሓሰን ባሳሪ ዝተባህለ ሰፋዪ፡ ን120 ሰዓታት ብዘይ ምቁራጽ ክሰፊ ድሕሪ ምኽኣሉ’ዩ ነዚ ዓቢ ታሪኽ ኣመዝጊብዎ ዘሎ።
እዚ “ስፌት ንሃገር” ብዝብል መጸውዒ ዝተኻየደ ፈተነ፡ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ንምሓዝ ጥራይ ዘይኮነስ ዓቢ ሰብኣዊ ዕላማ ዝሓዘ ምዃኑ ተሓቢሩ።
እዚ ስፋዪ ኣብዚ ሓሙሽተ መዓልታት ዝሰፈዮም ክዳውንቲ፡ ንድኻታትን ጽጉማትን ተማሃሮ ዝኾኑ መለልዪ ቤት ትምህርቲ (ዲቪዛ) ምዃኖም ይጠቅስ።
በዚ ድማ ነቶም ውሑድ ዕድል ዘለዎም ህጻናት ብምድጋፍ ኣብ ትምህርቶም ንኽቕጽሉ ዓቢ ሓገዝ ከም ዘበርከተ ተገሊጹ።
እዚ ፍጻመ ኣብ ከተማ ካኖ ኣብ ዝርከብ ማርያም ኣባቻ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ’ዩ ተኻይዱ።
ዓብዱልቃድር፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብ106 ሰዓታትን 55 ደቂቕን ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ-ወሰን ብምብላጽ ብሉጽነቱ ዘመስከረ ኮይኑ፡ ሕጂ እቲ ውጽኢት ብጉጅለ ጊነስ ዓለም፡ ክብረ-ወሰን ብወግዒ ንኽጸድቕ ኣብ መስርሕ ይርከብ።
ንድኻታት ህጻናት ክዳን እናሰፈኻ ዓለምለኻዊ ክብረ-ወሰን ንምስባር ዝተገብረ ጻዕሪ ብሓቂ ዘድንቕን ኣብነታውን ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመልክት።