መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ እስራኤል ኣቪግዶር ሊበርማን፡ “ተሓዚ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ነታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝን፡ ኣካላት ስለያ እታ ሃገር ተጠቒሞም ኣንጻሮም ዝተሰለፉ ፖለቲከኛታት ክከታተሉን ክስልዩን ይኽእሉ እዮም” ዝብል ጥርጣረ ኣልዒሉ።
ሊበርማን ምስ ህዝባዊ ራድዮ እስራኤል (KAN) ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ነታንያሁን ካትዝን ንኣካላት ስለያ ሞሳድን ሺን ቤትን ከምኡ’ውን ንኻልኦት ትካላት ተጠቒሞም፡ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ “ጉጅለ ለውጢ” ሓበሬታ ንምእካብን ንምጽንባርን ክሰርሑ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቱ። እንተኾነ፡ ነቲ ጥርጣረ ዘረጋግጽ መርትዖ ኣየቕረበን።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ምምስራት ሓድሽ መንግስቲ፡ ኣብ ጽቡቕ ምዕባለ ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ሰሙን፡ ንጹር ኣይሁዳዊ ኣብዝሓ ዝህልዎ መንግስቲ ክምስረት ተኽእሎ ከም ዘሎ እውን ተዛሪቡ።
ሊበርማን ዝመርሖ ፓርቲ “እስራኤል ቤይተኑ”፡ ምስቲ ብጋዲ ኣይዘንኮት ዝምራሕ ፓርቲ “ያሻር” ኣብ ቀዳማዊ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ። ምስ ኣልትራ-ኦርቶዶክስ ዝበሃሉ ወገናት ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ እውን ይቕጽል ከም ዘሎ ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ስምምዕ ምምስራት መንግስቲ፡ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ዝምልከት ሕጊ ክካተት ከም ዘለዎ ኣጕሊሑ።
እዚ ሕጊ እዚ ንምልመላ ኣባላት ኣልትራ-ኦርቶዶክስ ሕብረተሰብ ዝምልከት ኮይኑ፡ ንድሌታት ሰራዊት እስራኤል ዘማልእን ብሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን ቤት ፍርድን ዝጸድቕን ክኸውን ከም ዘለዎ ከኣ ኣስሚሩ።
ኣይዘንኮት ብዝተዋህቦ ሓላፍነት መሰረት፡ ክሳብ 6 ታሕሳስ ሓድሽ መንግስቲ ናይ ምቛም ግዜ ኣለዎ፤ እቲ ግዜ ክሳዕ 14 መዓልቲ ክናዋሕ ዝኽእል እዩ።
እቲ ዝርርብ ግን ብሰንኪ ኣብ ምምራጽ መሻርኽቲ ሓድሽ መንግስቲ ዘሎ ፍልልያት ገና ብድሆታት የጋጥሞ ኣሎ።





