ዕጡቓት ሑቲ፡ ንነፋሪት ውግእ ሱዕዲ ዓረብ ከም ዝሃረምዋ ገሊጾም
ትማሊ፡ 14 ጥቅምቲ፡ ኣጋ ምሸት፡ ካብ ሱዕዲ ዓረብ ዝተበገሰት ነፋሪት ውግእ ዓይነት ታይፉን (Typhoon)፡ ኣብ ኣየር ልዕሊ ኣውራጃ ሷዕዳ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብሓይልታት ሑቲ ብሚሳይል ካብ መሬት ናብ ኣየር ከም ዝተሃርመት ኣፈኛ ሓይልታት ሑቲ ያሕያ ሳሪዕ ገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ኣፈኛ፡ እታ ነፋሪት ካብ መደበር ኣየር ኣል-ጣኢፍ ዝተበገሰት ኮይና፡ ሚሳይል ሑቲ ብቐጥታ ከም ዝሃረማን ክትወድቕ ኣብ ሓደጋ ከም ዝነበረትን ጠቒሱ።
እዚ ሓበሬታ እዚ ግን ዛጊት ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን። ብወገን ሰበ-ስልጣን ሱዕዲ ዓረብ እውን ብዛዕባ እቲ ክስተት ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ ክሳዕ ሕጂ ኣይተሓበረን።