ክልተ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ፡ ኣብ መንጐአን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል፡ ፍልልያተን ብሰላማዊ ዘተ ክፈትሓ ጸዊዖም፤ ተወሳኺ ግጭት ንዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ዝያዳ ስቓይ ከም ዘስዕብን’ውን ኣጠንቂቖም።
ኤርትራዊ ኪዳን ንደሞክራስያዊ ለውጥን ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ዝተባህሉ ምንቅስቓሳት፡ ብዕለት 13 ጥቅምቲ 2026፡ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክልቲኦም መንግስታት ፍልልዮም ብኲናት ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ብዘኽብር መንገዲተዛትዮም ክፈትሑ ተላብዮም።
እቶም ተቓወምቲ ምንቅስቓሳት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብን ገማግም ባሕራን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ብግልጺ ይኹን ብተዘዋዋሪ ክሲ ካብ ምቕራብ ክቑጠብ ጸዊዖም።
ኤርትራ’ውን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኢዳ ከይተእቱ ኣተሓሳሲቦም።
ብተወሳኺ፡ ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣብ ግጭታት ንዝሳተፉ ዕጡቓት ጉጅለታት ምድጋፍ ደው ከብላ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
እቲ መግለጺ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከሐይሉ፣ ወተሃደራዊ ምብራኽ ክከላኸሉ፣ ሰላማዊ ኣፈታትሓ ግጭታት ከስፋሕፍሑ ከምዝግባእ ኣመልኪቱ።
ብተወሳኺ፡ ዓለምለኻውያን ለገስቲ ንስደተኛታት፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉን ብግጭት ዝተሃስዩ ማሕበረሰባትን ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ክውስኹ ኣተሓሳሲቡ።
ክልቲኦም ምንቅስቓሳት፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኪኖ ግጭት፣ ግዳማዊ ምትእትታውን ናይ ውክልና ውግእን፡ ናብ ሓድሕዳዊ ምክብባር፣ ልዑላውነት ምኽባር፣ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ምጥጣሕ ዘለዎ ሃዋህው ከፍጠረሉን ኣብ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ዞባዊ ስርዓት ክህነጸሉን ከምዘለዎ ገሊጾም።

