ኡጋንዳውያን፡ ብሰንኪ ዘይቋረጽ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ህይወቶም ንምምራሕ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቆም ከም ዝርከቡ፡ ሎሚ 15 ጥቅምቲ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ቲኣርቲ ኣፍሪቃ ይሕብር።
እዚ ጸገም እዚ ንምቕላል፡ ማእከላይ ባንኪ እታ ሃገር ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ተገዲዱ ኣሎ።
ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ህጹጽ ኣኼባ፡ እቲ “ሺሊንግ” ዝበሃል ሃገራዊ ገንዘብ ኡጋንዳ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ብከቢድ ይወድቅ ብምሃላዉ ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ውድቀት፡ ካብ ወጻኢ ንዝኣትዉ ኣቑሑት ዘለዎም ዋጋ ኣዝዩ ከም ዝንህር ገይርዎ ኣሎ።
ማእከላይ ባንኪ ነዚ ቁጠባዊ ውድቀት ንምእራም፡ ነቲ ቀንዲ መበገሲ መጠን ወለድ ብ 2.25 ሚኢታዊት ኣደይብዎ ኣሎ።
እዚ ወሰኽ ነቲ መጠን ወለድ ናብ 12% ኣብጺሕዎ ይርከብ።
ማይክል ኣቲንጊ-ኢጎ ከም ዝገለጾ፡ እዚ ስጉምቲ እዚ ንምውሳድ ዝተገደዱሉ ምኽንያት፡ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዝቕባበ ዋጋታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ምዃኑ ይግለጽ።
ብዘይካ’ዚ፡ ዋጋ ባንኪ እንተዘይተቖጻጺሮሞ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፈአ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል ኣጠንቒቑ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ የመልክት።