ኣብ ደቡባዊ ትግራይ፡ ኣብ ከባቢታት ራያ ዝርከቡ ነበርትን ወከልቲ ማሕበረሰብን ሽዱሽተ ወረዳታት፡ እቲ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫ ግዜያዊ ምምሕዳር ንኹሉ ዘሳትፍን ዘይሻራውን ኣይኮንን ክብሉ ከም ዝወቐሱ፡ ሎሚ 16 ጥቅምቲ ዝተዘረገሐ ጸብጻብ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢሩ።
እቶም ነበርቲ ምስ ክሊ ግዝኣት፣ መንነትን ጸጥታዊ ኩነታትን ተኣሳሲሩ ብዝተፈጥረ ወጥሪ ምኽንያት እቲ ምርጫ ብህጹጽ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን ምምሕዳር ከተማ ኮረም ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብታ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ሰሜን ወሎ እትርከብ ከተማ ቆቦ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ ይሕብር።
ካብ ኣላማጣ፣ ኮረም፣ ወፍላ፣ ባላ፣ ራያ ኣላማጣን ዛታን ዝመጹ ተሳተፍቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ እቶም ተላዒሎም ዘለዉ መከራኸርቲ ጉዳያት ብቅዋማውን ሕጋውን ማዕቀፋት መዓልቦ ክሳዕ ዝረኽቡ፡ ፌደራልን ክልላውን መንግስታት ነቲ መስርሕ ምርጫ ደው ከብልዎ ሓቲቶም ኣለዉ።