Al burhan
ኣቦ መንበር ባይቶ መሰጋገሪ ልኡላውነት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ዋሽንግተን ኣብ ሱዳን ሰላም ንምስፋን ንእትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ዘለዎ ተወፋይነት ንምግላጽ ናብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ወግዓዊ መልእኽቲ ከም ዝለኣኸ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ቲ.ኤር. ቲ ኣፍሪቃ፡ 15 ጥቅምቲ ጸብጺቡ።
ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ኤክስ (X) ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ሱዳን ምስ ኩሎም ኣህጉራውያን ወገናት ብፍላይ ድማ ምስ ምምሕዳር ኣመሪካ ክሰርሕ ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ስምምዕ ሰላም ልዑላውነት፡ ሓድነትን ክብሪ ህዝቢ ሱዳን ዘኽበረ ክኸውን ከምዘለዎ ኣስሚርሉ።
እዚ ናይ ኣል-ቡርሃን መልእኽቲ ዝመሓላለፍ ዘሎ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ማሳድ ቡሎስ፡ ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብትሪ ድሕሪ ምኹናኑ እዩ።
እዚ ድማ ዋሽንግተን ኣብ ጉዳይ ሱዳን ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ጸቕጢ ንምግባር ትቀራረብ ከምዘላ ዘርእይ ምዕባለ እዩ።
ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ዝተወልዐ ኲናት፡ ንሱዳን ናብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣውዲቕዋ ይርከብ።
በዚ ርጉጽነት ዘይብሉ ግጭት እዚ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ሚልዮናት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ይስደዱ ኣለዉ።
ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት፡ ሓባራዊ ሓይሊ ዕጡቓት ምስ ሰራዊት ሱዳን ብምትሕብባር ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዝርከቡ ስትራቴጂካዊ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ከምዘለዉ ጸብጻት ይሕብሩ።