ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተረኣዩ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኢቦላ፡ ናብ ሓዳስ ክፍለ-ሃገር ከም ዝተጋፍሐ ተረጋጊጹ ።
እዚ ሓድሽ ኩነታት ነቲ ንምቁጽጻር ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ተወሳኺ ሻቅሎትን ዓብዪ ብድሆን ፈጢሩ ምህላዉ ሎሚ 16 ጥቅምቲ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ቲ-ኣር-ቲ ኣፍሪቃ ሓቢሩ።
እቲ ቫይረስ ናብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ ክፍለ-ሃገር ኖርዝ ኡባንጊ ተጋፊሑ ኣሎ።
እዛ ክፍለ-ሃገር ምስ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትዳወብ ብምዃና፡ እቲ ሕማም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ምስጋር ተኽእሉኡ ልዑል ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
እዚ ሕጂ ተላቢዑ ዘሎ ሕማም ብሰንኪ ዓሌት ቫይረስ ቡንዲቡግዮ ዝመጸ እዩ።
ንድሕነት ሰባት ዝኸውን ክሳዕ ሕጂ ዝተፈቀደ ወግዓዊ ክታበት ብዘይምህላዉ፡ ንስራሕቲ ምክልኻል ኣዝዩ ከቢድ ገይሩዎ ኣሎ።
እዚ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ ለበዳ ብቕልጣፈ ብምስፍሕፋሑ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ቁጽሪ ሰባት ዝበከለ ሓደገኛ ለበዳ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ሰበ-ስልጣን ጥዕና፡ ነቲ ለበዳ ንምግታእ ኣብ ጻዕሪ ከም ዝርከቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።