F-16
ቀዳማይ ሚኒስተር ቤልጂም ባርት ደ ወቨር፡ ሃገሩ ኣብ 2026፡ 10 ነፈርቲ ውግእ F-16 ናብ ዩክሬይን ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጡ።
ደ ወቨር፡ ዩክሬይን ካብ ሩስያ ዝመጽኡ ብጄት ሞተር ዝሰርሑ ድሮናት ንምክልኻል፡ ነፈርቲ ውግእ ብቕልጡፍ ከም ዘድልያ ገሊጹ።
ቤልጂም፡ ኲናት ሩስያን ዪክሬይን ኣብ 2022 ካብ ዝጅምር ንደሓር ወትሃደራውን ፋይናንሳውን ሓገዛት ክትገብር ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብ ዉሽጢ 4 ዓመታት ድማ ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዛት ከም ዘበርከተት ሰነዳት ይሕብሩ።