ብዙሓት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት፡ ዝሓሸ ቁጠባዊ ዕድላት ንምድላይ ናብ የመንን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ንምብጻሕ ንመጻብቦ ባብ ኣል-ማንደብ ክሳገሩ፡ ኣብ ዝፍትኑሉ ዘለዉ እዋን፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ሓቢሩ።
ኣብቲ መስመር ማይ ሓደጋታት ከምዘጋጥም ዝፍለጥ’ኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት መንእሰያት ዕድል ስራሕ ክረኽቡን ኩነታት መነባብሮኦም ከማሓይሹን ተስፋ ብምግባር፡ በቲ ሓደገኛ መጻብቦ ምስጋር ይቕጽሉ ከምዘለዉ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።
እቶም ስደተኛታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ኣብ ዝጸዓና ጀላቡ ስለ ዝጓዓዙ፡ ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ባሕሪ ይቃልዑ ከምዘለዉ ዝሓበረ ጸብጻብ ኣልጀዚራ፡ መጻብቦ ባብ ኣል-ማንደብ ብፍላይ ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ሓደጋኡ ዝበኣሰ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ስራሕ ክደልዩ ክወጹ ከለዉ፡ ገለ ኤርትራውያን ድማ ካብ ዘይተወሰነ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ካብ ፖለቲካዊ እገዳታትን ውሱን ዕድላትን ንምህዳም በቲ መስመር ከም ዝጓዓዙ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብቲ ጉዕዞ፡ ስደተኛታት ምጥሓል፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፣ ጭውያ፣ ግህሰትን ምዝመዛን ከምዘጋጥሞም’ውን ይፍለጥ።
ተንተንቲ፡ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ስራሕ ዝረኽቡ ሰባት ገንዘብ ናብ ስድራቤቶም ብምሕዋል ክድግፉ ይኽእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ሓደገኛ ወይ ዘይዕዉት ጉዕዞታት ግን ሞት፣ ምፍልላይ ስድራቤትን ከቢድ ፋይናንሳዊ ጸገማትን ከስዕብ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ።