​ ኣብዚ ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ሱዳን ልዕሊ 324,000 ሰባት ምሰጋሮም፣ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
​ሱዳን ትሪቡን 16 ጥቅምቲ ከምዝሓበሮ፣ ካብቶም ዝሰገሩ ሰባት እቶም 223,600 ብሰንኪ ግጭት ሃዲሞም ዝነበሩ ሱዳናውያን ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም 101,031 ድማ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን እዮም።
እቲ ስደት ኣብ ደቡብ ሱዳን ብፍላይ ኣብ ግዝኣታት ላዕለዋይ ኒልን ጆንክለይን ብዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ግጭታትን ዝተላዕለ ምዃኑ ይጠቅስ።
52 ሚኢታዊ ካብቶም ስደተኛታት ናብ ግዝኣት ጻዕዳ ኒል ዝኣተዉ ኮይኖም፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሰማያዊ ኒልን ደቡብን ምዕራብን ኮርዶፋን ይርከቡ።
ኣብቲ ተመዛበልቲ ዘሎዉሉ መቐበሊ ቦታታት ሕጽረት ምግብን መዕቖብን ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ጽርየትን ንጽህናን ከምቲ ዝድለይ ብዘይምህላዉ፣ ከም ሕማም ሸሮኽ ዝኣመሰሉ ሕማማት ናይ ምስፍሕፋሕ ዓቢ ሓደጋ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ የመልክት።