Friday, October 16, 2026
spot_img
Home Latest ዕጡቓት ሓይልታት ዳራዊሽ፡ ንከተማ በረዳሌ ተቖጻጺሮም

ዕጡቓት ሓይልታት ዳራዊሽ፡ ንከተማ በረዳሌ ተቖጻጺሮም

ንኣመሓዳሪ ደቡብ ምዕራብ ሶማልያ ነበር ዓብዲኣዚዝ ሓሰን ሞሃመድ – ላፍታጋረይን እሙናት ዝኾኑ ሓይልታት ደቡባዊ ዳራዊሽ፡ ኣብ ዞባ ባይ እትርከብ ወሳኒት ከተማ በረዳሌ ተቖጻጺሮም ።
https://web.facebook.com/reel/4555703834718591/?mibextid=LoFJqn
እዚ ድማ ካብ ትማሊ ጀሚሩ በዞም ሓይልታት ዝተታሓዘት ሳልሰይቲ ከተማ ኮይና ኣላ።
ባይዶኣ ኦንላይን ሎሚ 16 ጥቅምቲ ዝዘርገሖ ​ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ባይዶኣ ብሰሜናዊ ምዕራብ ኣስታት 55 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ በረዳሌ፡ ኣብቲ ንሞቓዲሾን ዶሎውን ዘራኽብ ቀንዲ መንገዲ ንግድ እትርከብ ብምዃና ልዑል ኣገዳስነት ዘለዋ እያ።
እታ ከተማ ብዕጡቓት ደገፍቲ ላፍታጋረይን ምትሓዛ፡ ነታ ብኣዳን ማዶቤ እትምራሕን ብፈደራል መንግስቲ እትደገፍን ምምሕዳር ደቡብ ምዕራብ ሶማልያ ዓብዪ ፖለቲካውን ወታደራውን ስዕረት ምዃኑ ይጥቀስ።
​ላፍታጋረይን፡ ካብ ታሕሳስ 2018 ጀሚሩ ንደቡብ ምዕራብ ሶማልያ ዘመሓደረን ቅድም ኢሉ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታት ፈደራል መንግስቲ ብሓላፍነት ዘገለገለ’ዩ።
እንተኾነ ግን፡ ምስ ፈደራል መንግስቲ ሶማልያ ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ ስልጣን ኣብ መጀመርታ 2026 ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ ፡ ንዕኡ ዝድግፉ ዕጡቓት ሓይልታት ኣንጻር’ቲ ሓድሽ ምምሕዳርን መንግስትን ወታደራዊ ስጉምቲታት ይወስዱ ኣለዉ።