ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሴቨኒ ምስ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ካምፓላ ዘካየድዎ ዘተ፡ ካብ ኣፍሪቃ ጥረ ኣቑሑት ናብ ወጻኢ ምልኣኽ “ክሕደት” ምዃኑ ገሊጹ።
ሙሴቨኒ፡ ንሃገራት ምዕራብ ጥራሕ ዝጠቅም ” ከፊላዊ ምዕባለ” ዝብል ሓሳብ ብምንጻግ፡ ራእይ “ዓለምለኻዊ ምዕባለ” ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ብተወሳኺ፡ ሕልብረት ኣውሮጳ ንውሽጣዊ ፖሊሲታት ዩጋንዳ ክኣልን፡ ንሱ ዘመሓላልፎም ሃፍትታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ምምዕርራይን ምድላውን ፈተነታታ ክድግፍን ኣገንዚቡ።
ብተወሳኺ፡ ሙሴቨኒ ንሓሳብ “ከፊላዊ ሃብቲ” ብምንጻግ፡ ምዕባለ ኣፍሪቃ ንምዕባለ ካልኦት ክፋላት ዓለም እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።
ብወገኑ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዩጋንዳ ዝያዳ ምስራሕ ፍርያት ክድግፍን፡ እቲ ቁጠባዊ ረብሓ ኣብታ ሃገር ክተርፍ ዝሕግዝ ሽርክነት ክሃንጽን ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ሙሴቨኒ ብተወሳኺ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ንውሽጣዊ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዩጋንዳ ከኽብር፡ ልዑላውነት እታ ሃገር ከይግህስ ኣተሓሳሲቡ።