እቲ ኣብ መንጐ ህግደፍን ህወሓትን ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ዝጀመረ ጽምጾ፡ ኣብ ባይታ ከምቲ ዝድለ ይሰርሕ ከም ዘየለ ዝተፈላለዩ ርእይቶ ወሃብቲ ንኤሪሳት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።
ጽምዶ ክንዮ ኣብ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ባይታ ብኣግባቡ ክትግበር ስለ ዘይከኣለን፣ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ጥራይ ዘንቀደ ብምንባሩን፡ ኣብ ህዝቢ ርኡይ ለውጥን ምትሕብባርን ከምጽእ ከምዘይከኣለ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ይጠቅሱ።
ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይ ዝረከቡ ህዝብታት ካብን ናብን ክመሓላለፉ ከም ዘይክኣሉን፣ ወላ ውን እቲ ብጥሜትን ድርቅን ዝሳቐይ ዘሎ ሓረስታይ፣ ንሕድሕዱ ከይተሓጋገዝ ብሰራዊት ከም ዝኽእልከልን ጥሪትን ከብትን ከይሓይልፋ እገዳ ክግበረለን ምጽንሑን ገሊጾም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ርእሲ`ቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት፣ ዋሕዲ ማይ ውን ተኸሲቱ ብምህላዉ ሓረስቶት ኣብ ከቢድ ሽግርን ጭንቅን ከም ዝርከቡ ንኤሪሳት ዝሃብዎ ሓበሬታ የረድእ።
ካብ ዶባት ትግራይ ናብ ኤርትራ እንስሳታት ከይሓልፋን ነቶም ዋናታተን ክእስርዎም ምጽንሖምን ገለ ገለ ሓረስቶት ክገልጹ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።
እቲ ጽምዶ ዝብል ቃል ኣብ ፕሮፓጋንዳን ኣብ ሚድያን ጥራሕ ተሓጺሩ ምጽንሑ ብዙሓት ተንተንቲ ክገልጹ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።