ህወሓት ትማሊ ዓርቢ ዕለት 16 ጥቅምቲ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ መቐለ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝዀነ ይኹን ምንቅስቓስ ከይፍጸም ብጽኑዕ መጠንቀቕታ ብምሃብ ብፌደራላዊ መንግስቲ ዝተመስረተ “ናይ ሓደራ ምምሕዳር” ከም ዘይቅበሎን ውሳነታቱ ተግባራዊ ከም ዘይኮነን ምግላጹ ስዒቡ ኣብ ህዝቢ ኣዘራረቢ ዛዕባ ኰይኑ ይቕጽል ከም ዘሎ እቲ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።
ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ካብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ወጻኢ ንወተሃደራውን ሎጂስቲካውን ንጥፈታት ይውዕል ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር።
ስለ ዝዀነ እቲ መገዲ ኣየር ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲን ከባቢኡን ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ከይፍጽም ጽኑዕ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ኣሎ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ብፌደራላዊ መንግስቲ ዝተመስረተ ሓድሽ ምምሕዳር ዘይሕጋዊ ምዃኑን ምስዚ ኣካል ዝተሓባበሩ ትካላት እውን ተሓተትቲ ከምዝኾኑን ህወሓት ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ’ሎ።
ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ሞተር ብሽክለታ፣ ሞተር ሳይክልን ብሽክለታን ተጠቒምካ ናብቲ ሰራዊት ትግራይ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት ምጉዕዓዝ ክልኩል ምዃኑ’ውን ኣፍሊጡ።
እዚ ህወሓት ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ፌደራል፡ ንሰሙናት ተቛሪጹ ንዝጸንሐ ሲቪላዊ በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ፡ ብ11 ጥቅምቲ 2026 ዳግማይ ከም ዝጀመሮ ኣብ ዝገለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዳግማይ ዝተወለዐ ውግእን ህወሓት ንመዓርፎታት ነፈርቲ`ቲ ክልል ብምቁጽጻሩን: ናብ መቐለ፣ ሽረን ኣክሱምን ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ደው ኣቢሉዎ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኰይኑ፣ ናብ መቐለ ዝግበር በረራታት ዳግም ክጅምር ጻዕርታት ከካይድ ከም ዝጸንሐ ይንገር።
እንተዀነ፡ እዚ ሓድሽ መግለጺ ህወሓት ብኣሉታዊ ዓይኒ ዝረኣይዎ ተጋሩ፡ ንህወሓት ከም ኣካል ግብረሽበራ ክትምደብ እጃም ዝገብርን ብዕምቆት ዘይተሓስበሉን መግለጺ እዩ ብምባል ዝቃወምዎ ዘሎዉ ኰይኖም ብኣንጻሩ “ህወሓት ተጸራሪጋ እያ። ናብ ኤርትራ ሰጊራ እያ” ዝብል መግለጺታት ብልጽግና ኣብ ሕቶ ዘእተወ ክኸውን ከም ዝገበሮ ተንተንቲ የገንዝቡ።
ህወሓት፣ ምሉእ ብምሉእ ካብ መሬት ትግራይ ከም ዘይወጸ ንዝምጉቱ ሰባት ሓደ ኣብነት ክኸውን ገይርዎ ከም ዘሎን ብርክት ዝበሉ ካድረታት ኣብ ህወሓት ተስፋ ክገብሩ እጃም ይገብር ከም ዘሎን ጸብጻባት የመልክቱ።
እቲ ውድብ፣ ነዚ ኣውጺእዎ ዘሎ መግለጺ ክንዮ ፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ኣብ ባይታ ተግባራዊ እንተገይርዎ፥ ኣብ ፖለቲካን ጸጥታን ትግራይ መቐይሮ ክፈጥር ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።
ኣብ መንጐ ህወሓትን ህግደፍን ዝተፈጥረ ጽምዶ፣ ንክልቲኦም ሓይልታት ዘላፈነ እኳ መሲሉ እንተ ቐረበ፣ ህግደፍ ኣብ ነፍሰ ተዓቅቦን ምክልኻልን ጥራይ ብምትኳሩ፣ ንገለ ደገፍቲ ህወሓት ሕቶ ፈጢርሎም ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ዝህብዎ ሓበሬታ የረድእ።