ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ማእሰርቲ ንኽልተ ወርሕን ትሽዓተ መዓልትን ዝጸንሑ መሪሕነትን ኣባላትን ዉድብ ኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ኣብዮታዊ ፓርቲ (ኢሕአፓ) ከምኡውን ጠበቓኦም፡ ትማሊ ዓርቢን ሎሚ ቀዳም ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ካብ ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሑ ተሓቢሩ።
እቶም ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ፡ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ኢሕአፓ ይስሓቅ ወልዳይ፣ ኣባል እቲ ፓርቲ ኣበበ ኣካሉን ጠበቓ ኣበራ ንጉስን ዝርከብዎም እዮም።
ጠበቓ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ሰሎሞን ገዛኸኝ፡ ዓሚልኡ ትማሊ ዓርቢ 16 ጥቅምቲ 2026፡ ካብ ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐ ንማዕከን ዜና ዶቸ ቬለ ኣረጋጊጹ።
ይስሓቅ ወልዳይን ጠበቓ ኣበራ ንጉስን ብወገኖም፡ ሎሚ ቀዳም ንግሆ ካብ ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሑ ተገሊጹ።
እቶም ሰለስተ ውልቀሰባት፡ “ሕቡእ ውጥናት ምፍራስ ሃገር ብምምዳብ” ከምኡ’ውን “ሓድነት ሃገር ዘፍርስ ዝተሓላለኸ ግብረ ሽበራዊ ገበናት” ብምፍጻም ብዝብል ክሲ ተጠርጢሮም ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሖም።
ቤት ፍርዲ ነቶም ተኸሰስቲ ብዋሕስ 50 ሽሕ ብር ክፍትሑ ፈቒዱ እኳ እንተነበረ፥ ፖሊስ ሕቶ ይግበኣኒ ብምቕራቡ፡ ንዝሓለፉ 15 መዓልታት መሰል ዋሕስኦም ከይተኸብረ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝጸንሑ እቲ ሓበሬታ ይሕብር።
ዉድብ ኢሕአፓ፡ እቶም ሰለስተ ውልቀሰባት ምፍትሖም “ብሓጎስ ንቕበሎ” ክብል ገሊጹ።
እንተኾነ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ መተሓባባሪ ኢሕአፓ ዝኾነ ኣቶ ደረጀ ደለና ክሳዕ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ተኣሲሩ ምህላዉ፡ “ከቢድ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት” ምዃኑ ብምግላጽ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ ኣሎ።
እቲ ዉድብ፡ “ብሰላማዊ ቃልሲ ብምስታፍ ወይ ኣካይዳ መንግስቲ ብምንቃፍ፡ ዝኾነ ዜጋ ብዘይግቡእ ኣብ ማእሰርቲ ክኣቱ ወይ መሰላቱ ክግሃስ የብሉን” ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ኣቶ ደረጀ ደለና “ብቕልጡፍ” ክፍታሕ እቲ ዉድብ ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ብትሪ ጻውዒት ምቕራቡ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።