ኣብ ኬንያ በቲ ቡንዲቡግዮ ዝተብሃለ ቫይረስ ኢቦላ ዝተታሕዙ ሰባት ቁጽሪ ናብ ሸውዓተ ምዕባዩ ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ኣብ ኬንያ ኣርባዕተ ሓደስቲ ብቫይረስ ኢቦላ ቡንዲቡግዮ ዝተታሕዙ ሰባት ብምርካቦም ክሳዕ ሕጂ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት ሸውዓተ ምብጸሖም፡ ሎሚ 17 ጥቅምቲ፡ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ከም ዝሓበርዎ፣ ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት እቶም ሰለስተ በቲ ሕማም ክተሓዙ ዝኸኣሉ፣ ነቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ቀዳማይ ሕሙም ዝሓከሙ ሰራሕተኛታት ትካል ጥዕና እዮም።
እቲ ራብዓይ ድማ ዘመድ እቲ ሕሙም ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ኬንያ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ እቲ ሓደ ብዕለት 5 ጥቅምቲ ከም ዝሞተ ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብሩ።