ማንቸስተር ዩናይትድን ሊድስ ዩናይትድን 1–1 ተፈላልየን
ኣብ መበል 7ይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ፡ ኣብ ስታድዩም ኤላንድ ሮድ ዝተኻየደ ግጥም ማንቸስተር ዩናይትድን ሊድስ ዩናይትድን 1–1 ብምፍልላይ ተዛዚሙ።
ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ 35 ደቒቕ ብሪያን ምቡሞ ብዘመዝገባ ሸቶ ቀዳማይ ሸቶ እኳ እንተመዝገበት፡ ሊድስ ዩናይትድ ኣብ 51 ደቒቕ ዶሚኒክ ካልቨርት-ሉዊን ብዘመዝገባ ሸቶ ውጽኢቱ ናብ 1–1 ቀይራ።
በዚ ድማ ክልቲአን ጋንታታት ነጥቢ ተማቒለን።

ብውጽኢት እዚ ግጥም፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሸውዓተ ግጥማት ሓንሳብ ጥራይ ብምስዓር፡ ሸውዓተ ነጥቢ ሒዛ ኣብ መበል 13 ደረጃ ተሰሪዓ። ሊድስ ዩናይትድ ብወገና፡ ዓሰርተ ነጥቢ ብምእካብ ኣብ መበል 7ይ ደረጃ ተቐሚጣ።
ኣብ ካልእ ግጥም፡ ብራይተን ንክሪስታል ፓላስ 5–0 ብምስዓር፡ ነጥባ ናብ 16 ብምዕባይ ኣብ ግዝያዊ ሰሌዳ ሊግ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ።
ብተመሳሳሊ፡ ቦርንማውዝ ንሰንደርላንድ 2–0 ብምስዓር ሰለስተ ነጥቢ ወሲኻ።