ሰራዊት ሱዳን፡ ነታ ስትራቴጂካዊት ከተማ ዝኾነት ርእሰ ከተማ ደቡብ ዳርፉር፡ንያላ ዒላማ ብምግባር ሓያል መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዘካየደ ማዕከን ዜና ቲ.ኤር.ቲ፡ ትማሊ 18 ጥቅምቲ ጸብጺቡ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ቁልጡፍ ደገፍ ከም ቀንዲ ማእከል ትእዛዝን ምምሕዳርን ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ ወተሃደራዊ መደበራት ንምድቃስ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ።
ሚኒስተር ዜና ዞባ ዳርፉር ኣሕመድ ኢስሓቕ ሻናብ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ስርሒት ንሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ “ዘሕምም” ከቢድ ክሳራ ዘውረደ እዩ።

Sudanese army strikes inflict heavy losses on RSF in Darfur's Nyala:  Regional government

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ሚኒስተር፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ክቕተሉ ከለዉ፣ ሓያሎ ወተሃደራዊ መሳርሒታትን ማእከላት ትእዛዝን እውን ዓንዮም ኣለዉ።
ሰራዊት ሱዳን ነቶም ዕጡቓት ደድሕሪኦም ብምስዓብ ክሳዕ ዶብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ (ኡም ዳፉክ) ከም ዝሃድኑ ክገብሮም ምዃኑ’ውን እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ኣጠንቂቑ።
ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተልዓለ ደማዊ ግጭት ሱዳን፡ ክሳዕ ሕጂ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክቐትል ከሎ፣ ንሚልዮናት ድማ ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ ይርከብ።
እዚ ኲናት ሕጂ እውን ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ ዝሓበረ ጸብጻብ ቲ.ኤር.ቲ፣ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዳርፉርን ኻርቱምን ሓደስቲ ቦታታት ንምቁጽጻር ወተሃደራዊ ስርሒታቱ የሐይል ከምዘሎ ኣመልኪቱ።