France Prime Minister: Sebastien Lecornu Tapped by Macron - Bloombergቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ሰባስቲያን ለኮርኑ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን’ዚ ዓመጽ ዝመልኦ ተቓውሞ፣ ምዝማትን ዕንወትን ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ መንግስቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክእውጅ ከምዝኽእል ብ19 ጥቅምቲ 2026 ኣጠንቂቑ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣዣንስ ፍራንስ-ፕረስ (AFP) ብውሕዱ 3 ሽሕ ትካላት ንግዲ በቲ ናዕቢ ተሃስዮም ኣለዉ። ለኮርኑ፡ መንግስቲ ህዝባዊ ስርዓት ንምምላስ ቆሪጹ ከምዝተላዕለ ብምግላጽ፡ ምምሕዳራት እቲ ከባቢ ኣብቶም ዝተጎድኡ ከባቢታት ከፊላዊ ዕጽዋ ክገብሩ ጸዊዑ’ሎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ሃገር-ለኸ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንላዕሊ ዕጽዋታት ዝያዳ ግቡእ ምዃኑ ዝገለጸ ላኮርኑ፡ ሰብመዚ ተወሳኺ ዓመጽ ንምክልኻልን ትካላት ንግዲ ንምሕላውን ምውፋር ፖሊስ ክውስኹ ምዃኖም ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ኣብ ፈረንሳ ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸቕጥን ድኹም ኩነታት ትምህርትን ብተቓውሞ ተማሃሮ ዝጀመረ ምንቅስቓስ፣ ናብ ብርቱዕ ዕንወትን ዘረፋን ዝተቐየረ ኮይኑ፣ ክሳዕ ሕጂ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ተቓወምቲ ብፖሊስ ተኣሲሮም ኣለዉ።
እዚ ተርእዮ ዘይምርግጋእ’ዚ፡ ድሕሪ ውሑዳት ኣዋርሕ ንዝካየድ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ፈረንሳ ፈታኒ ኮይኑ ብምህላዉ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ጸጥታን ፖለቲካዊ ምርግጋእን እታ ሃገር ዓቢይ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።