
ኣሜሪካ፡ ምስ ለበዳ ኢቦላ ብዝተኣሳሰር፡ ዜጋታታ ናብ ኬንያ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ከም ዝግባእ ኣጠንቂቓ።
እቲ ብ19 ጥቅምቲ ዝወጸ መጠንቀቕታ፡ እገዳ መገሻ ዘይኮነስ፡ ተጓዓዝቲ ቅድሚ ክጓዓዙ ምሕሳቦም ነቲ ሓደጋታት ብጥንቃቐ ክግምግሙ ዝምዕድ’ዩ።
ኬንያ ክሳዕ 18 ጥቅምቲ 2026፡ ሸሞንተ ብኢቦላ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸበት ምርግጋጻ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ክሳዕ 20 ጥቅምቲ ድማ፡ ብሰንኪ ምስ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ምትንክኻፉ ዝተወሸበ ሓደ በዓልመዚ ጥዕና ኬንያ ሓዊሱ ጠቕላላ ቁጽሪ ሕሙማት ትሽዓተ በጺሑ ኣሎ።
ካብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተጓዕዘ ፈላማይ ሕሙም ብ5 ጥቅምቲ ከም ዝሞተን፣ እቶም ዳሕረዎት በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ምስቲ ናይ መጀመርታ መልከፍቲ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖምን ጸብጻብ ዶቸ ዌለ ይሕብር።
ብመሰረት ሰብመዚ ጥዕና ኬንያ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰፊሕ ማሕበረሰባዊ ምትሕልላፍ ከምዘሎ ዘርኢ መርትዖ የለን።
እቶም ሰብመዚ፡ ምስ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ውልቀሰባት ዝተራኸቡ ሰባት ምክትታል ብምክያድ ሓድሽ መልከፍቲ ዘጋጠሞም ሰባት ንምልላይን ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻርን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
ኣመሪካ፡ ኣብ ገጠራት ኣገልግሎት ሕክምና ንምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን ከም ዝኽእልን ገለ ትካላት ክንክን ጥዕና እኹል መድሃኒትን መሳርሕታትን ከም ዘይብለን ብተወሳኺ ኣጠንቂቓ ኣላ።
እዚ ድማ፡ ሰብመዚ ወላ’ኳ ነቲ ሕማም ንምግታእ ይጽዕሩ እንተለዉ፡ ዝርገሐ ኢቦላ ግን እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ዘጉልሕ’ዩ።