
ፕሮጀክት ፍትሒ ዓለም (WJP) ብ21 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መዐቀኒ ልዕልና ሕጊ 2026፡ ኢትዮጵያ ካብ 143 ሃገራት መበል 133 ደረጃ ከምዝተሰርዐት ኣመልኪቱ።
ብመሰረት እቲ መዐቀኒ፡ እታ ሃገር 0.36 ሓፈሻዊ ነጥቢ ዘመዝገበት ኰይና፡ እዚ ውጽኢት’ዚ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ብ1.3% ምንቁልቋል ኣርእዩ’ሎ።
ኢትዮጵያ ካብተን ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝርከባ 34 ሃገራት፡ መበል 31 ክትስራዕ ከላ፤ ካብተን ትሑት እቶት ዘለወን 15 ሃገራት ድማ፡ መበል 12 ደረጃ ሒዛ ኣላ።
እቲ መዐቀኒ፡ ሃገራት ብመዳይ ተሓታትነት መንግስቲ፣ መሰረታዊ መሰላት፣ ፍርዳዊ ናጽነት፣ ድሕነትን ተበጻሕነት ፍትሕን ሓዊሱ ልዕልነት ሕጊ ክሳብ ክንደይ ብኣድማዒ መንገዲ ከምዝሕልዋ ዝገምገመ ምዃኑ ይግለጽ።
ብደረጃ ዓለም 62% ካብተን ዝተገምገማ ሃገራት፡ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝረኸብኦ ነጥብታት ክረአ ከሎ፡ ምንቁልቋል ከምዘጋጠመን ዘመልክት እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምትእትታው መንግስቲ፣ ገደብ ሲቪላዊ ናጽነትን ምድኻም ናጽነት ፍርድን፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝፍጠር ምንቁልቋላት ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ ዓበይቲ ረቛሒታት ምዃኖም ኣለልዩ።
እቶም ርኽበታት፡ ኣብ ምሕያል ሕጋዊ ትካላት፣ ምሕላው መሰረታዊ መሰላትን ምርግጋጽ ተሓታትነት መንግስቲን ቀጻሊ ብድሆታት ከምዘለዉ ዘጉልሑ እዮም። እቲ መዐቀኒ፡ “ልዕልና ሕጊ” ኣብ መላእ ሃገራት ብተግባር ከመይ ከም ዝሰርሕ ንጽጽራዊ ገምጋም ዘቐመጠ እዩ።
ኤርትራ ግና፡ ኣብ’ዚ ብዓለማዊ ፕሮጀክት ፍትሒ ልዕልና ሕጊ ዝገምገሞ መዐቀኒ ወላ’ኳ ኣይካተት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝስራዕ ግን ኣየማትእን’ዩ።