MW Xasan sheekh oo Gaaray Baydhabo - YouTube
ኣብ ሶማልያ ዞባ ባይ ኣብ ዝርከብ ወረዳ ቡርሃካባ፣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድን ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ዝኾነ ኣደን ማዶቤን ዝቃወም ሰልፊ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ሎሚ 21 ጥቅምቲ ዝተዘርግሐ ጽብጻብ ባይዶኣ ኦን-ላይን ይሕብር።
እዚ ተቓውሞ ዝሰዓበ ድሕሪቲ ንኣብዱለዚዝ ሓሰን መሓመድ -ላፍታጋሪን -ዝእመን ሰራዊት ዳራዊሽ፣ ነታ ስትራተጂካዊት ከተማ 16 ጥቅምቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ምስኣእተውዋ’ዩ።
እዚ ተቓውሞ እዚ፣ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ቁጽጽር መሬትን ስልጣን ፖለቲካን ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፣ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሶማልያ ፖለቲካዊ ፍልልያት እናዓበየ ምኻዱ ዘርኢ እዩ ክብል እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት።