King Fahd International Airport
ኣብ ምብራቓዊ ስዑዲ ዓረብ (ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ፋርስ፣ ባሕሬንን ቀጠርን) ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ፋህድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ነባሪ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝተቐትለ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን እታ ሃገር ኣፍሊጡ ክብል ጸብጻብ ኤፒ ኒውስ ይሕብር።
እቲ በዓል መዚ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ በቲ ኣጋ-ምሸት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ሰባት ከም ዝቖሰሉን ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዳማም፡ ገለ ንዋታዊ ዕንወት ከምዘጋጠመን ገሊጹ።
ብምኽንያት እዚ መጥቃዕቲ እዚ፡ ዓለምለኻዊ ኣገልግሎት ምክትታል በረራታት ፍላይት-ራዳር-24፡ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ኤክስ (X) ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝመጹ ዝነበሩ በረራታት ኣንፈቶም ቀይሮም ናብ ካልእ ቦታታት ከም ዝዓለቡ ገሊጹ።
ክሳዕ ሕጂ ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ነቲ መጥቃዕቲ መን ከም ዝፈጸሞ ብወግዒ ኣይገለጹን።
ብተመሳሳሊ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሚሳይልን ድሮንን ዝፍጽሙ ዝነበሩ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ዝሃብዎ ርእይቶ ከም ዘየለ ጸብጻባት የመልክቱ።