Canada, Turkey sign 'strategic partnership' as part of Carney push to cut  reliance on US | Reuters
ቱርክን ካናዳን፡ ነቲ ዘለወን ክልተኣዊ ርክብ ናብ ሓድሽ ደረጃ ስትራቴጂካዊ ሽርክነት ክብ ምባለን ብወግዒ ኣዊጀን ከም ዘለዋ፡ ብ22 ጥቅምቲ ዝተዘረገሐ ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ይሕብር።
እዚ ታሪኻዊ ውሳነ ዝተበጸሐ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ ኣብ ቱርኪ ርእሰ-ከተማ ኣንካራ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን እዩ።
እዚ ፍጻመ ሓደ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ናብ ቱርኪ ዝገበሮ ፈላማይ ታሪኻዊ ዑደት ክልተኣዊ ርክብ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲብ ጣይብ ኤርዶጋን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ማርክ ካርኒ ድሕሪ ዝገበርዎ ክልተኣዊ ዘተ፡ ክልቲአን ሃገራት ቅድሚ መወዳእታ እዚ ዓመት ናጻ ንግዲ ንምጅማር ቃል ኣትየን ኣለዋ።
እዚ ሓድሽ ስምምዕ፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ናይ 3 ቢሊዮን ዶላር ዓመታዊ ንግዲ፡ ፈለማ ናብ 5 ቢሊዮን፡ ኣብ መዋእል ዘመነ ስልጣኑ ድማ ናብ 10 ቢሊዮን ዶላር ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።

Canada, Turkey sign 'strategic partnership' as part of Carney push to cut  reliance on US | Reuters

ፕረዚደንት ኤርዶጋን “ምስ ካናዳ ሓድሽ ምዕራፍን ሓድሽ መዋእልን ጀሚርና ኣሎና” ብምባል ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ንግድን ወፍርን፥ ምክልኻል ጸጥታ፥ ጸዓት፥ ኣብ መዳይ መጓዓዝያን ርክብ ህዝብን ኣብ ዘተኮሩ ዓውድታት ን3 ዓመት ዝጸንሕ መደብ ስራሕ ከም ዘውጸኣ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ብዛዕባ እዚ ስምምዕ ክገልጽ ከሎ፡ ቱርኪ ኣብ ኔቶ ዓብዪ ተራ ዘለዋ “ፍልይቲ ህያው መሻርኽቲ” ምዃና ኣስሚርሉ።
ካርኒ ወሲኹ፡ ” ዕላማና ሓባራዊ ተጻዋርነት ምፍጣር’ዩ” ክብል ምግላጹ እቲ ጸብጻብ የመልክት።