
ቀንዲ ኣተሓባባሪ ክፍሊ ፖለቲካን ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ ሎሚ 23 ጥቅምቲ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ህወሓት ይዳኸሙ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ህይወት ክጽንበሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
“ሕጂ ሕነ እንፈድየሉ እዋን ኣይኮነን፤ ናብ ገዛኹም ተመሊስኩም ሰላማዊ ህይወትኩም ክትቅጽሉ ኣለኩም” ብምባል፡ ናብ መስርሕ ዕጥቂ ምፍታሕን ዳግመ ምጽንባርን ክኣትዉ ጸዊዑ።
እዚ ጻውዒት ዝቐርብ ዘሎ፡ ከተማ መቐለ ካብ ቁጽጽር ዕጡቓት ህወሓት ካብ ትወጽእ ሰለስተ ሰሙን ገይራ ኣብ ዘላትሉ እዋን እዩ።
ብካልእ ወገን፡ እቲ ንሓይልታት ህወሓት ዝመርሕ ዘሎ ሌተናል ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ፡ ካብ ኣቶ ረዳኢ ሒደት ሰዓታት ኣቐዲሙ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዘጋጠመ ወተሃደራዊ ስዕረት ክቕልበስ ምዃኑ ገሊጹ።
“ኣብ መላእ እታ ክልል ዝርከቡ ሚሊሻታትን ነቲ ተቓውሞ ዝተጸንበሩ ፈቃደኛታትን፡ ኣንጻር ጸላኢ ክቃለሱ ትጽቢት ይግበር” ክብል ‘ውን ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፡ ኣብ ሓደ ሆስፒታል እታ ከተማ ዝርከቡ ክልተ ዝቖሰሉ ሰባት ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ጤለ-በጊዕ ናብ መኪና ክጽዕኑ ከለዉ ብዝተፈጸሞም መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኣርባዕተ ሰላማዊያን ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ጸብጻብ ኣሶሼይትድ ፕረስ የመልክት።