
ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ እትርከብ ዶባዊት ከተማ ሞያሌ፡ ብሰንበት 18 ጥቅምቲ 2026፥ ዝተወለዐ ቀታሊ ግጭት፥ ሞት ሲቪላት ከም ዘስዓበን፡ ኣማኢት ሰባት ድማ ዶብ ሰጊሮም ናብ ኬንያ ክሃድሙ ከምዘገደደን፡ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ “ኣብ ዘይግቡእ ቦታ ዝተተኸለ ባንዴራ” ጠንቂ እቲ ግጭት ከም ዝዀነን፣ ካብ ወዲ 10 ዓመት ሰገን ጀሚሩ ብዙሓት ነበርቲ ካብ ክልቲኡ ወገን ከም ዝተቐትሉን ገሊጾም።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ከንቲባ ከተማ ሞያሌ ዝዀነ ኣቶ ገልማ ኮርቻ፡ ብረቡዕ 21 ጥቅምቲ ንቢቢሲ ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፤ እቲ ግጭት ዝተላዕለ፡ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ዝዳወባሉ ከባቢ፥ ሓይልታት ሶማሌ፡ ዶቦም ሓሊፎም ናብ ክልል ኦሮምያ ብምእታው፡ ናይ ባዕሎም ምምሕዳር ባንዴራ ድሕሪ ምትካሎም ምዃኑ ጠቒሱ።
እቲ ከንቲባ ወሲኹ፡ “ዝምልከቶ ኣካል ውሳነ ክሳዕ ዝህብ፡ ነቲ ባንዴራ ኣልዕልዎ እናበልናዮም ከለና፥ ኣብ መንጐኡ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ፡ ሓንቲ ጓል 13 ዓመት ኰተቴ ብጥይት ተወቒዓ ናብ ሆስፒታል ኣትያ፤ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ድማ ህይወታ ስኢና” ብምባል ዘስካሕክሕ ፍጻመ ከም ዘጋጠመ ኣመልኪቱ።
እቶም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም ነበርቲ፡ ቶኽሲ ምስ ሰምዑ ገዝኦም ዓጽዮም ናብ ዱርን ናብ ኬንያን ክሃድሙ ከም ዝተገደዱን፣ ንሕጽረት መግብን ካልኦት ኣገደስቲ ቀረባትን ከም ዝተቓልዑን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሰብመዚ ኬንያን ኣብታ ሃገር ዝርከብ ቀይሕ መስቀልን፡ ግዳያት እቲ ግጭት ዝኾኑ ሰባት ክንደይ ከም ዝዀኑን እንታይ ከም ዘድልዮምን ንምፍላጥ መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጾም።
ኢብራኤ ጆን ዝተበሃለ በዓል ስልጣን ቀይሕ መስቀል፡ “ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ይኣትዉ ዘለዉ ተመዛበልቲ ንምቕባል ዘኽእል መዕቈቢ መዓስከር ዘይተዳለወ’ኳ እንተዀነ፥ ህጹጽ ሓገዝ ዝረኽብሉ ኩነታት ንምጥጣሕ፡ ብትግሃት ክንሰርሕ ኢና” ኢሉ።