Sudanese army recaptures strategic military base in Blue Nile region - War  in Sudan - World - Ahram Online
ሰራዊት ሱዳን፡ ብሓሙስ 22 ጥቅምቲ፡ ኣብ ግዝኣት ሰማያዊ ኒል ሓደ ስትራተጂካዊ ወታደራዊ መደበር ዝርከቦ ክልተ ከባቢታት ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ።
​እዚ ስጉምቲ እዚ፡ ምስ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ምስ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን-ሰሜንን ብዝተገብረ ብርቱዕ ኲናት ዝተረኸበ ዓወት ምዃኑ ‘ሱዳን ትሪቡን’ ሓቢሩ።
​ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ማዕከን ዜና ኣናደሉን ሱዳን ትሪዩብን፣ ሰራዊት ሱዳንን መሻርኽቱን ብሓሙስ ንግሆ ንወታደራዊ መደበር ቡኩሪ ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሮምዎ ኣለዉ።
እዚ መደበር እዚ ካብ ዋና ከተማ እታ ግዝኣት ዝኾነት ኤድ ዳማዚን ብሸነኽ ምብራቕ ኣስታት 70 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ እዩ።
​ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን መሻርኽቶምን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ንኸባቢታት ጊሳንን ኩርሙክን ከምኡ’ውን ንመደበራት ቡኩሪን ሰርኮምን ተቖጻጺሮምዎ ከም ዝነበሩ ይዝከር።
እዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ዛጊት ኣይተረጋገጸን ዘሎ።