Trump ordered to sit for deposition in $10 billion BBC case in December
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ናብ ሃገሩ ከይኣቱ ንምክልኻል፡ ሓድሽ ስጉምቲታት ድሕነት ክወስድ ምጅማሩ ጸብጻብ ሮይተርስ ሓቢሩ።
እዚ ስጉምቲ፡ ዝኾነ ናብ ኣሜሪካ ዝኣቱ ተጓዓዛይ፡ ኣብ ዝሓለፉ 21 መዓልታት ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ (DRC) ከምዘይነበረ ናይ ጽሑፍ ምስክርነት ክህብ ይሓተት።
እዚ መምርሒ፡ ካብ 3 ሕዳር ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸዉን ኮይኑ፡ ተጓዓዝቲ ነቲ ቅጥዒ ምስክርነት ብዲጂታላዊ መገዲ ወይ ብወረቐት ክመልእዎ ይኽእሉ እዮም።
ብተወሳኺ፡ ኩባንያታት መገዲ ኣየር ነዚ ፖሊሲ እዚ ብኸመይ ከም ዘተግብርዎ ዝርዝር መብርሂ ይወሃቦም ምህላዉ ይሕብር።
ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ክሳዕ ሕጂ ዝተራእየ ሕማም ኢቦላ እኳ ተዘይሃለወ፡ ሰብ-መዚ ጥዕና ግን እዚ ስጉምቲ ንቅድመ ምክልኻል ወሳኒ ምዃኑ ሓቢሮም።