እዛ ኣብዚ እዋን ካብ ጎረቤታ ሩስያ ሰፊሕ ወራርን መጥቃዕትን ዝወርዳ ዘሎ ዩክሬን፣ ኣብ 1994 ዝኣተወቶ ስምምዕ ቡዳፔስት፡ ኣብ ፖለቲካ ዓለምና ዓቢይ ትምህርቲ ዝተቕስመሉ ውዕል ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ’ዩ።
ኣብ ስምምዕ ቡዳፔስት፡ ዩክሬን፣ ልዑላውነታን ዶባታን ክኽበር ከምኡውን ካብ ምፍርራሕን ኣብ ልዕሊኣ ሓይሊ ምጥቃምን ክትሕሎ ቃል ዝሃበ ዲፕሎማስያዊ ኪዳን ምስ ኣመሪካ፡ ሩስያን ብሪጣንያን እያ ኣትያ።
ብወገና ከኣ ነቲ ካብ ሕብረት ሶቬት ዝወረሰቶ ኒኩሌራዊ ኣጽዋር ከተርክቦ ተሰማምዐት። ነቲ ኣብቲ እዋን ብብዝሑ ኣብ ዓለምና ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ዝነበረ ኣጽዋራት ከኣ ካብ 1994 ክሳብ 1996 ዝቐጸለ መስርሕ ንሩስያ ኣረከበታ።
እንተኾነ፣ ስምምዕ ቡዳፔስት፣ ንዩክሬይን ወተሃደራዊ ውሕስነት ዝህብ ኣይነበረን። እተን ሰለስተ ሃገራት ንልዑላውነትን ዶባትን ዩክሬን ከኽብራ ቃል እኳ እንተኣተዋ፡ ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ግን ብግዴታ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክህባ ዝእዝዝ ውዕል ኣይነበረን።
ሩስያ፡ ኣብ 2014 ንግዝኣት ዩክሬን ዝኾነ ዞባ ክራይሚያ ምስ ተቖጻጸረትን፡ ኣብ 2022’ውን ሰፊሕ ወራር ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምስ ከፈተትን ከኣ እቲ ስምምዕ ዝነበሮ ድሩትነት ብግሉጽ ተራእየ።
እዚ ፍጻመ ኣብ ፖለቲካ ዓለምና ኣገዳሲ ትምህርቲ ዝሃበ ፍጻመ`ዩ።
ሓንቲ ሃገር፣ ንዲፕሎማስያዊ ቃል ኪዳን ጥራይ ተኣማሚና ንነብሰ ምክልኻል ክውዕል ዝኽእል ኒዩክሌራዊ ኣጽዋር ኣሕሊፋ ክትህብ ይግባእ ድዩ? ዝብል ሕቶ ከልዕል ድማ ግድን እዩ።
ከም ስምምዕ ቡዳፔስት ዝኣምሰሉ ውዕላት፣ ብንጹር ዝተቐመጡ ግዴታታትን ግብራውያን ስጉምትታትን እንተ ዘይተወሲኾሞም ክሰርሑ ከም ዘይክእሉ ተመክሮ ዩክሬይን ንዓለምና ዝሃቦ ትምህርቲ`ዩ።
ዲፕሎማስያዊ ስምምዕ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ብዘይ ውጽኢታዊ ኣፈጻጽማን ንጹር ናይ ግብረ መልሲ ድንጋተታትን ንድሕነት ሃገር ከቶ ኣየረጋግጹን።
እቲ ዝዓበየ ትምህርቲ እምበኣር፣ ድሕነት ሓንቲ ሃገር ብቃል ኪዳን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ምክልኻል ዓቕምን ምስ መሸራኽቲ ሃገራት ኣብ እምነት ዝሰረት ጽኑዕ ምትእምማንን እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል።
ነዚ ዓቢ ትምህርቲ ብመንጽር ውሕስነትን ድሕነትን ኤርትራ እንተ ርኢናዮ፣ ስርዓት ህግደፍ ንኤርትራ ወኪሉ፣ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣብ ዘይብሎም ዝተፈላለዩ ስምምዓት ኣትዩ`ዩ።
ሓደ ካብቶም ስምምዓት ከኣ ስምምዕ ጅዳ 2018 ክጥቀስ ይከኣል።
ክሳዕ ሎሚ፣ እዚ ኣብ መንጐ ኢሳያይስን ኣቢይ ኣሕመድን ዝተገብረ ስምምዕ፣ ሓውሲ ጽንጽዋይ ኰይኑ`ዩ ዝቕጽል ዘሎ።
ብዛዕባ`ቲ ስምምዕ፣ ሓፈሻዊ መግለጺታት እንተዘይኮኑ ብዝርዝር ዝፍለጥ ነገር የለን። ኣብ ምንታይ ጽላት እንታይ ተሰማሚዖም ዝፍለጥ ብዘይ ምዃኑ ከኣ ክሳብ ሎሚ ጥርጣረታት ከስዕብ ይርአ።
ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን 2018፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም ንክዕወት፣ ዓቢይ ተራ ከም ዝተጻወተ ዝፍለጥ’ዩ።
እንተኾነ ግሉጽነትን ተሳትፎ ህዝብን ዝጎደሎ ውዕል ከመይ ኢሉ ንሽልማት ኖቤል ኣኻሊ ኮይኑ ዝብል ሕቶ ዝፈጥረሎም ወገናት ውሑዳት ኣይኮኑን።
ብቐንዱ ከኣ ድሕሪ`ቲ ስምምዕ፣ ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ኣብ 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዕ ኲናት ኣብ ጎድኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፉ፣ ቅጹሮም ክሳዕ ሕጂ ዘይተፍልጡ ዜጋታት ንኤርትራ ስለ ዘኽፈላ፣ መዘዝ ናይቲ ስምምዕ ብኣግኡ እዩ ክርአ ጀሚሩ።
ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ወዲቓ፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፋፍኖት ኲናት ኣትያ ብምህላዋ፣ መዘዝ ናይቲ ቅድሚ 8 ዓመታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ክሳዕ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ።