ግብጺ ናብቲ ኣብ ሶማልያ ዝካየድ ሓድሽ ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሕብረት ኣፍሪቃ (AUSSOM) ቅድሚ ምጽንባራ፡ ብመሰረት ምስ መንግስቲ ሶማልያ ዝገበረቶ ክልተኣዊ ስምምዕነት፡ ሓይላ ንምስፋር ወግዓዊ ምድላዋት ትገብር ምህላዋ፡ ሎሚ 26 ጥቅምቲ፡ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ይሕብር።

እዚ ስጉምቲ ኣብቲ ዞባ ዓበይቲ ስክፍታታ ጸጥታን ስርሒትን ፈጢሩ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ “ዚ ኢስት ኣፍሪካን”፡ ካይሮ ካብ ሞቃዲሾ ብኣንፈት ሰሜን ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ሸበሌ፡ ብግምት ሓደ ሽሕ ወተሃደራት ዘጠቓለለ ሓይሊ ንምስፋር ወጢና ከም ዘላ ተገሊጹ ።

No photo description available.

እዚ ሓይሊ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብወተሃደራት ቡሩንዲ ተታሒዙ ኣብ ዘሎ ከባቢ ኤልካዴ ታክቲካዊ ዋና ቤት ዕዮ ክምስርት ምዃኑ እዩ ዝሕበር።

ይኹን እምበር፡ እዚ ቅድሚ ወግዓዊ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ ክልተኣዊ ምውፋር፣ ኣብ ስልጣን እዚ፣ ሎጂስቲክስን ተሓታትነትን ዓበይቲ ሕቶታት የልዕል ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወተሃደራት ቡሩንዲ ብዛዕባ እዚ ምድላው ብወግዒ ከም ዘይተነገሮምን፣ ኣብ ትሕቲ ክልተኣዊ መዋቕር እዚ ከም ዘይሰርሑን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ካይሮን ሞቃዲሾን ወተሃደራዊ ስምምዕነት ካብ ዝፈራረማ ጀሚሩ፡ ግብጺ ኣጽዋር ውግእ፥ ዝተዓጠቓ መካይን፣ ተተኮስትን ፍሉይ ወተሃደራዊ ስልጠናን ክትህብ ጸኒሓ እያ።

እዚ ምውፋር ሰራዊት ዝመጽእ ዘሎ፡ እቲ ሓድሽ ተልእኮ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኣልሸባብ ኣብ ዝዋጋኣሉ ዘሎ እዋን፣ ብሰንኪ ፋይናንሳውን ሎጂስቲካውን ሓገዛት ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጭቡጥ ዘይምዃን ጽንኩር ኩነታት የጋጥሞ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ።

እዚ ምንቅስቓስ ምስቲ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዘሎ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ፍሕፍሕን ባህጊ ተበጻሕነት ቀይሕ ባሕሪን ተደሚሩ፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝሰፈሐ ዞባዊ ውድድር ክስሕቦ ከም ዝኽእል ተንተንቲ የጠንቅቑ።