ሉላ ዳ ሲልቫ
ሉዊዝ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብ ምርጫ ፕረዚደንት ብራዚል ዳግማይ ብምዕዋቱ፡ ንላቲን ኣመሪካን ዓለምን ዝምልከት ዓቢይ ፖለቲካዊ ምዕባለ ከም ዝኾነ፡ ሎሚ 26 ጥቅምቲ 2026 ዝተዘርግሐ ርእይቶታት ተንተንቲ ፖለቲካ ይገለጽ።
ብራዚል እታ ዝዓበየት ሃገር ላቲን ኣመሪካን፡ ኣባል መስራቲ ጉጅለ ብሪክስን (BRICS) ብምዃና ፡ ውጽኢት ምርጫኣ ኣብ ዓለማዊ ሚዛን ሓይሊ፥ ቁጠባዊ ምትሕብባርን ዝምድናታት ምስ ቻይናን ኣመሪካን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል።
ኣብቲ ዝዘርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ኣመሪካ ኣብቲ ምርጫ ጣልቃ ከም ዝኣተወት ይኸስስ።
እንተኾነ እቲ ክሲ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
ብርክት ዝበሉ ምሁራትን ተንተንትን ግን ኣመሪካ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እትገብሮ ምትእትታው ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ክሲ ይርዕምዎ’ዮም።
ኣመሪካ ንስልጣን ስድራቤት ቦልሶናሮ ክትመልስ ከም ዝደለየት ብምግላጽ፡ እታ ስድራቤት ንረብሓታት ኣመሪካን እስራኤልን ትድግፍ፡ ንተራ ብራዚል ኣብ ሕብረት ሃገራት ብሪክስ (BRICS) ከተዳኽም፡ ከምኡ’ውን ንረብሓ ዓበይቲ ትካላትን ዋናታት ሰፋሕቲ መሬታትን ክትሰርሕ ትምነ ከም ዝነበረት ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ኣብ ብራዚል ዝርከቡ ቀለስቲ ባእታታትን ኣገደስቲ ማዕድናትን ንምቁጽጻር ትደሊ ምዃና ይኸስስ።
ብኣንጻሩ፡ ሉላ ካብ ድኻ ስድራቤት ዝመጸ መራሒ ሰራሕተኛታት ከም ዝኾነን፡ ንረብሓታት ሰራሕተኛታት ዝቐድም ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ከም ዘለዎን ይጠቅስ።
ሉላ ኣብ ወጻኢ ፖሊሲኡ ካብ ዓበይቲ ሓይልታት ዓለም ናጻ ዝኾነ ኣካይዳ ከም ዝኽተል፡ ንፍልስጤም ከም ዝድግፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ሃገራት ደቡብ ዓለም ዝህሉ ምትሕብባር ከም ዝኣምን የብርህ።
ሉላ፡ ካብቶም መስረትቲ ጉጅለ ብሪክስ ሓደ እዩ።
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ፡ ሉላ ምስ ቻይናን ካልኦት ሃገራት ደቡብ ዓለምን ዘለዎ ሽርክነት ከደንፍዕ፡ ኣብ ዓለማዊ ፋይናንሳዊ ስርዓት ለውጢ ክገብርን ንዓለማዊ ዕብለላ ዶላር ኣመሪካ ክብድህን ትጽቢት ከም ዝግበር ይገልጽ።
እዚ ፖሊሲ፡ ምስ ምምሕዳር ዋሽንግተን ፍልልያት ከም ዘስዕብ ድማ ብኣግኡ ልዑል ግምት ተዋሂብዎ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።