ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰራዊት እታ ሃገር ሓድሽ ለውጢ ከም ዘካየደ፡ ብዕለት 26፡ ካብታ ሃገር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ምብጥቃስ ሎሚ 27 ጥቅምቲ ዝተፈላለያ ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ለውጢ፡ ዓቕሚ ሰራዊት ንምድምፋዕ መዋቕር መሪሕነቱ ንምምሕያሽን ኣብ ዝካየድ ሰፊሕ ጻዕሪ ክፋል ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ናይ ቀረባ ለውጢ፡ ኮሎኔል መሓመድ ዓብዱልቃድር “ሸሪፍ” ኣዛዚ ሰራዊት ባሕሪን ሓለዋ ገማግም ባሕርን ሶማልያ ኮይኑ ተመዚዙ።

ንሱ፡ ብሪጋዴር ጀነራል ዓብዱልዋሃብ ዑመር ተኪኡ።

እዚ ምዝዛም ክፋል ናይቲ ኣብ ላዕለዋይ መዋቕር ሰራዊት ዝካየድ ዘሎ ተኸታታሊ ለውጥታት’ዩ።

ብዘይካዚ፡ ኣብ ጥሪ 2026 ብሪጋዴር ጀነራል ኢብራሂም መሓመድ ማሕሙድ ኣዛዚ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ ኮይኑ ተመዚዙ።

እዚ ምዝዛም እውን ኣብ መሪሕነት ሰራዊት እታ ሃገር ዝተኻየደ ሰፊሕ ምትዕርራይ ክፋል እዩ።

እቲ መስርሕ ምትዕርራይ፡ ሶማልያ ኣብ ምህናጽ ዓቕሚ ሰራዊታን ምምሕያሽ ኣመራርሓ ወተሃደራዊ ትካላታን ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዕራፍ’ዩ።

እንተኾነ፡ ውጽኢቱ ኣብ ዓቕሚ ስርሒታት፡ ስልጠና፡ ኣጽዋርን ሎጂስቲካዊ ደገፍን ዝህልዎ ምዕባለ ክምርኰስ’ዩ።