Dr. Abiy Ahmed

ፍሉጥ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማርቲን ፕላውት፡ ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢኣን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላዋት፡ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ማርቲን ፕላውት ሎሚ 27 ጥቅምቲ 2026፡ ኣብ ሮሃ ቲቪ ዩትዩብ ቻነል ምስ ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን፣ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ሓደገኛ መድረኽ ከም እትርከብ ገሊጹ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝምዕብል ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት፡ ነታ ሃገር ናብ ዘይተረጋግአ ኩነታት ኣእትዩዋ ከምዘሎ እቲ ተንታኒ ሓቢሩ።

ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፍወርቂን እናሓርፈፈ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና ምዃኑ ዝጠቐሰ ማርቲን ፕላውት፥ እቶም ብወገን ኢትዮጵያ ልኡላዊ ተበጻሕነት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብን ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ወደባት ኤርትራ ንምቛምን ዝግበሩ ዘለዉ ጻዕሪታት ቀንዲ ምትፍናን ዝፈጠሩ ጉዳያት ምዃኖም ጠቒሱ።

ማርቲን ፕላውት፡ እዚ ምስሕሓብ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኲናት ከይፍጠርን ዞባዊ ሓደጋ ከየስዕብን ስክፍታኣኡ ገሊጹ።

እቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ከምቲ ዝግብኦ ዓለም- ለኻዊ ኣተኩሮ ከም ዘይረኸበ ዝገለጸ እቲ ተንታኒ፤ ግጭታት ብዘተ ንምፍታሕ ዘሎ ዕድል ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይጽብብ ከም ዘሎን፡ መፍትሒ ናይዚ ኩነታት ኣብ ሜዳ ውግእ ዝውሰን ኮይኑ ዝተርፈሉ ዕድል ይሰፍሕ ከምዘሎን ኣመልኪቱ።

ማርቲን ፕላውት፡ ኣብ መወዳእታ፡ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ ኩሎም ወገናት ካብ ብሓይሊ ዝውሰድ ስጉምቲ ክቑጠቡን፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩን ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።

Journalist Martin  Plaut – Martin Plaut
Journalist Martin Plaut – Martin Plaut