ሰብ-መዚ ጥዕና ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ እቲ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ ንምቁጽጻር ዝገብርዎ ቃልሲ ኣብ ዝቕጽለሉ ፡ ፈተነ ሓድሽ ክታበት ኢቦላ ምጅማሮም ሎሚ 27 ጥቅምቲ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ቲ.ኣር.ቲ ኣፍሪቃ ሓቢሩ።

እታ ሃገር፡ ብ 17 ግንቦት ፡ለበዳ ኢቦላ ካብ ትእውጅ ንደሓር ፡ ልዕሊ 4,600 ሰባት በቲ ሕማም ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ድማ፡ ቫይረስ ኢቦላ ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት ቀዚፉ እዩ።

ጎረቤት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኾነት ኡጋንዳ፡ 20 ሰባት ብኢቦላ ከም ዝተለኽፉ፡ ካብኣቶም ክልተ ከም ዝሞቱ ድሕሪ ምምዝጋባ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ኢቦላ ናጻ ምዃና ኣዊጁ ነይሩ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን እቲ ሕማም ተራእዩ ኣሎ።

ኣብ ኬንያ ክልተ ሰባት ብኢቦላ ከም ዝሞቱ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብታ ብብዝሒ ህዝባ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ዝኾነት ሃገር ናይጀርያ ፡ ካብ ኡጋንዳ ብነፋሪት ናብ ርእሰ ከተማ ኣቡጃ ዝኣተወት ሰበይቲ ቀዳማይ ግዳይ ኢቦላ ኮይና ተረኺባ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝግበር ጻዕሪ ብምቕጻል ፡ ሰብ-መዚ ጥዕና እታ ሃገር ብዓርቢ፡’ ቱማይኒ ‘ ዝተሰመየ ሓድሽ ክታበት ኢቦላ ኣብ ከተማ ቡንያ ከም ዝጀመሩ ኣፍሊጡ ።

ቱማይኒ ማለት ብቋንቋ ስዋሂሊ “ተስፋ” ማለት እዩ።

እቲ ፈተነ ጥቡቕ ብዝኾነ ስነ-ፍልጠታዊ መመዘኒታት ፣ ግሉጽነት ፣ስነ-ምግባራዊ መትከላት ፣ ኣብ ድሌት ዝተመርኮሰ ፍቓድ ተሳተፍቲ፡ ከምኡ’ውን ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብዝሓለወ መገዲ ከም ዝካየድ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ ።