ዋንነት ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳን ከም ዝዀና ዝተጠርጠራ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሎሚ ረቡዕ 28 ጥቅምቲ ኣብ ማእከላይን ምብራቓዊን ሱዳን ኣብ ዝርከባ ኣል መናጊልን ሓያን ዝተባህላ ከተማታት ኣብ ዝርከቡ መደበራት ኤሌክትሪክን መኽዘናት ነዳድን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘውረዳ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ግዝኣት ገዚራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሰፊሕ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኣብ ጥቓ ኣገደስቲ ትሕተ ቅርጺ ባርዕ ሓዊን ከም ዘጋጠመ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ጋንታታት ሲቪል ምክልኻል ነቲ ባርዕ ከጥፍእዎ ከምዝኸኣሉን፣ ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዝበጽሐ ናይ ህይወት ጉድኣት ከምዘየለን እውን ተፈሊጡ ኣሎ። እንተዀነ፡ እቲ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጸልማት ተዋሒጡ ይርከብ።

ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ፡ ኣብ ሃያ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንመኽዘን ነዳዲን ናብቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ቁልፊ ሰደድ ነዳዲ ዝኾነ ባሻየር ዝወስድ መስመር ሻምብቆን ዒላማ ከም ዝገበራ ይግለጽ።

እዚ ፍጻመ’ዚ፡ ኣካል ወፍሪ እቲ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ሱዳን (SAF) ኣብ ዝርከቡ ናይ ሓይሊ ትካላት ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሓደ ሰሙን ተኸታታሊ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከምዝዀነ ተንተንቲ ይሕብሩ።

ጸብጻብ ሱዳን ትሪቡን ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያን እውን ምስዚ መጥቃዕቲታት ተኣሳሲሩ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ይፍጠር ከምዘሎ ይሕብር።

ሱዳን፡ ድሮናት ካብ መሬት ኢትዮጵያ ይብገሳ ከምዘለዋ ክትከስስ ከላ፣ ኣዲስ ኣበባ ግን ነቲ ክሲ ትነጽጐ ኣላ።