ኣብ ማእከላይ ስጳኛ ዞባ ቶሌዶ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ናይ ልዑል ፍጥነት (High-speed) ባቡራት ብዘጋጠመ ከቢድ ናይ ምግጫው ሓደጋ፡ ብውሕዱ 68 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ልዕሊ 58 ሰባት ድማ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ሮይተርስ ይሕብር።

ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ገና ክውስኽ ከም ዝኽእል ሰበስልጣን ስጳኛ ሓቢሮም።

እቲ ሓደጋ፡ እተን ባቡራት ካብ ርእሰ ከተማ ማድሪድ ተበጊሰን ናብ ደቡባዊ ዞባ ኣንዳሉስያ ብሓደ ኣንፈት ይጓዓዛ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ‘ዩ ኣጋጢሙ። እዚ ድማ፡ ሓንቲ ናይ መንግስታዊ ትካል ባቡር፡ ነታ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገም ኮምፑተር ደው ኢላ ዝነበረት ናይ ውልቀ ኩባንያ ባቡር ብድሕሪት ብምግጫዋ ዘጓነፈ እዩ።

Spain train crash kills at least 68 | CNN

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሓያል ምግጫው፡ እተን ባቡራት ካብ መስመር ወጺኤን ናብ ገደል ከም ዝተገልበጣ’ዩ ዝግለጽ።

ሚኒስተር መጓዓዝያ ስጳኛ ኦስካር ፑዌንተ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ሓደጋ ብሰንኪ እቲ ብመቆጻጸሪ ማእከል ዝተዋህበ “ዘይንጹር” ውሳነ እዩ ተፈጺሙ።

ኣብቲ መስመር ናይ ኮምፒተር መርበብ ርክብ ብምቁራጹ፡ ንክልቲኤን ባቡራት ደው ክብላ ዝሕብር !ምልክት ቐይሕ መብራህቲ ተዋሂቡ እኳ እንተነበረ፡ እታ ሓንቲ ባቡር ንቕድሚት ክትቅጽል ፍቓድ ምስተዋህበ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ፑዌንተ ኣረዲኡ።

ኣብተን ዝተጋጨዋ ክልተ ባቡራት፡ ልዕሊ 500 ተጓዓዝቲ ተሳፊሮም ከም ዝነበሩ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ፡ በቲ ከቢድ ሓደጋ ባቡር ዓሚቕ ሓዘን ከም ዝተሰምዖ ብምግላጽ፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እዚ ሃገራዊ ሓዘን፡ ኩለን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፊታት እታ ሃገር ነቲ ክካየድ ዝነበሮ ናይ ምርጫ ወፈራታት ኣቋሪጸንኦ ኣለዋ።

እዚ ሓደጋ’ዚ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2013፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስጳኛ ሳንቲያጎ ደ ኮምፖስቴላ ዘጋጠመ 80 ሰባት ዝሞትሉ ሓደጋ፡ እቲ ዝኸፈአ ሓደጋ ባቡር ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።