ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ኣምባሳደር ሱዳን ናዲር ዩሲፍ ኤልጣየብ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ከተማ ኤል ፋሸር ዝፍጸም ዘሎ ህልቂትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ብጽኑዕ ከም ዝኾነነ ሎሚ 28 ጥቅምቲ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ቲ.ኣር.ቲ ኣፍሪቃ ሓቢሩ ።
እቲ ኣምባሳደር፡ ኣብ ኣንካራ ብትካል ምርምር ፖለቲካ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን (SETA) ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነዚ ዘይተገደስነት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ዘሎ “ድርብ መዐቀኒ” ዘንጸባርቕ እዩ ክብል ገሊጽዎ።
![]()
ነቲ ኣብ ኤል ፋሸር ዘሎ ኩነታት “ሓደ ከብቶም ዓበይቲ ሓደጋታት ናይዚ ክፍለ ዘበን” ክብል ዝጸረሖ ኣምባሳደር ኤልጣየብ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ብእዋኑ እንተዝትግበር ኣሽሓት ህይወት ምደሓነ ነይሩ ክብል ገሊጹ ።
ብተወሳኺ፡ ዕጡቕ ጉጅለ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ንስምምዓት ምቁራጽ ተኹሲ ብተደጋጋሚ ከም ዝጠሓሰን ካብ ገዛውቲ ሰላማዊያን ሰባት ክወጽእ ፍቓደኛ ከምዘይኮነን ጠቒሱ ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ኣምባሳደር ሃገሩ ሱዳን ምስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ናብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታዉ ዝግበር ዘተታት ምቁራጽ ተኹሲ ክትኣቱ እትኽእል ፡ እቲ ሓይሊ ካብ ኣባይቲ ሰላማዊያን ሰባት ምሉእ ብምሉእ ምስ ዝወጽእ ጥራይ ምዃኑ ኣስሚርሉ’ሎ።
ቱርክን ቐጠርን ፡ ንዘበርከተኦ ሰብኣዊ ሓገዛት እውን ዓሚዩቕ ምስጋና ከም ዘቕረበ እቲ ጸብጻብ የመልክት ።






