ኣብ መንጎ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ብዝተላዓለ ግጭት፡ ኣስታት 40 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ኬንያ ብምስዳድ ዕቝባ ከም ዝሓተቱ፡ ናጻ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ (KNCHR) ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ጸብጺቡ።

እቲ ምስሕሓብ ብሰንኪ ምምሕዳራዊ ዶባትን ግዝኣታዊ ምቁጽጻርን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ከባቢ ሞያለ ዝነብሩ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓት ሲቪላትን’ውን ተሳቲፎምሉ እዮም።

እቲ ወጥሪ ዝተጋደደ፡ ባንዴራ ክልል ሶማል ብምልዓሉን፡ ሰበስልጣን ኦሮሚያ ድማ ኣብቲ ኣካራኻሪ ከባቢ ሓድሽ ምምሕዳራዊ ቤት ጽሕፈት ምኽፋቶምን ስዒቡ እዩ።

ካብቶም ዝተሰደዱ ሰባት፡ ልዕሊ 15 ሽሕ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ኣብያተ ትምህርትን ሸሞንተ ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታትን ተዓቚቦም ይርከቡ። ዝተረፉ ልዕሊ 20 ሽሕ ድማ ምስ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ተጸጊዖም ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

እዚ ሃንደበታዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ እቶም ኣአንገድቲ ማሕበረሰባት ኬንያ ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ። ሕጽረት መግቢ፣ ጽሩይ ማይ፥ መጽለሊን ክንክን ጥዕናን ዓብዪ ስክፍታ ኮይኑ ድማ ይርከብ።

ብተወሳኺ እቲ ኮሚሽን፡ ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን በዝሕን ሕጽረት ጽሬትን፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከይላብዑ ስክፍትኡ ምግላጹ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።