እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብራዚል ድሕሪ ዘጋጠሞ ስዕረት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝሃደመ ፍላቪዮ ቦልሶናሮ፡ ንነብሱ ሓቀኛ ፕረዚደንት ብራዚል ምዃኑ ከም ዝገለጸ ጸብጻብ ኤ.ቢ.ሲ ኒውስ ሓቢሩ።
ቦልሶናሮ ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ምርጫ ክዕወት ሰፊሕ ተጽቢት ተገይሩሉ እኳ እንተነበረ፡ ብሉዊዝ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ (ሉላ)፡ ካብ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ጉጅለ ግን ስዕረት ኣጋጢምዎ እዩ።

ቦልሶናሮ ፡ ድሕሪ’ቲ ስዕረት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ” ን60 ሚልዮን መረጽተይ ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ብራዚል፡ ኣነ መራሒ ምዃነይን እቶም ምርጫ ብራዚል ዝሰረቑ ገበነኛታት፡ ኣካል እቲ ንሓደ ምልኪ ዘቖመ ገበነኛ ውድብ ምዃኖምን ክዛረብ ይደልይ” ክብል ነቲ ውጽኢት ምርጫ ከም ዘይቕበሎ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር፡ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ምርጫ ብራዚል፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ዓለምለኻውያን ተዓዘብትን ባዕሉ ቦልሶናሮ ዝመርሖ ፖለቲካዊ ሰልፍን ሓዊሶም ንዓወት ሉላ ምሉእ ኣፍልጦ ሂቦም ‘ዮም።
ሓላፊ በዓል መዚ ምርጫ ብራዚል ካሲዮ ኑነስ ማርከስ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እቲ ምርጫ ምሉእ ብምሉእ ሕጋውን ረቛሒታት ብምኽባርን ከም ዝተኻየደ ምርግጋጹ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።






