ኦሉሶላ ኦሎናደ ዝተባህለት ናይጄሪያዊት ኣደ፡ ኣብ መበል 50 ዓመት ዕድሚኣ፡ ኣርባዕተ ቖልዑ ብሓንሳብ ወሊዳ ተዕቢ ከምዘላ ጸብጻብ ዘ ታይምስ ኦቭ ኢንድያ ኣመልኪቱ።

እታ ኣደ፡ ንመጀመሪያ ግዜኣ ብሓንሳብ ኣርባዕተ ማናቱ (ክልተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን) ብሰላም ምውላዳ፡ ዓቢ ሓጐስ ከም ዝተሰመዓ ብ27 ጥቅምቲ 2026 ምስ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ሓቢራ።

እዛ ኣብ ህይወታ ንነዊሕ እዋን መጻምድትን ውሉድን ክትረክብ ክትጽልይ ዝጸንሐት ኣደ፡ ኣብ መበል 48 ዓመታ (ታሕሳስ 2023) ድሕሪ ምምርዓዋ፡ ንምውላድ ክትጽበ ከም ዘይትደሊ ብምግላጽ ብሓገዝ ዘበናዊ ሕክምና (IVF) ጥንሲ ከም ዝሓዘት ይግለጽ።

እቲ ጥንሲ መጀመሪያ ብመርመራ ስካን ክልተ ማናቱ (Twins) ጥራይ ከም ዝነበረ እኳ እንተተነገራ፡ ኣብ ዝቐጸለ መርመራታት ግን እቲ ቁጽሪ ናብ ሰለስተ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ኣርባዕተ ከም ዝዓበየ ኦሉሶላ ብምግራም ትገልጽ።

እዞም ኣርባዕተ ህጻናት ብሰላም ዝተወልዱሉ ዕለት 6 መጋቢት 2026 ክኸውን ከሎ፡ እዚ ድማ እታ ኣደ መበል 50 ዓመት ልደታ ንምጽንባል ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ተሪፍዋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ‘ዩ።

እዚ ሰፊሕ ኣድናቖት ዝረኸበን ተስፋ ዘስነቐን ፍጻመ፡ ዕድመ ንኣደነት ዕንቅፋት ከም ዘይኰነ ዘርኢ ኮይኑ ኣሎ። ኦሉሶላ ምስ በዓል ቤታ ብሓባር ኰይኖም ነቶም ህጻናት ይኣልዩ ከም ዘለዉን፡ ነቶም ቆልዑ ኣዕብያ ንምርኣይ ዓቢ ተስፋን እምነትን ከም ዘለዋን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕትት ገሊጻ።