ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ፡ ብዕለት 19 ሕዳር፡
“መንግስቲ ምያንማር ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ሮሂንግያ ገበን ምጽናት ዓሌት ፈጺሙ’ዩ” ብምባል ታሪኻዊ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ይኹን እምበር፡ ወተሃደራዊ መንግስቲ ምያንማር፡ ነቲ ብ9 ድምጺ፡ ኣንጻር 6 ዝተወሰነ ብይን ” ዘይፍትሓዊ ” ብምባል ነጺግዎ ከም ዘሎ፥ ትማሊ 20 ሕዳር ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ይሕብር።
ብተመሳሳሊ መንግስቲ ቻይና’ውን ነቲ ውሳነ ተቓዊምዎ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ “እቲ ብይን ንምፍታሕ ግጭታት ዘይሕግዝ’ዩ “ብምባል፡ እቲ ቤት ፍርዲ ካብ ስልጣኑ ንላዕሊ ከይሓልፍ እውን ኣጠንቂቑ።
እዚ ብይን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ናይ ሰማንያ ዓመታት ታሪኹ ንፈለማ እዋን ንሓንቲ ሃገር ብምጽናት ዓሌት ተሓታቲት ዝገብረ ውሳነ ምዃኑ እታ ሓበሬታ ይጠቅስ።
እዚ ውሳነ ዝተዋህበ፡ ሓይልታት ጸጥታ ምያንማር ፡ ኣብ 2017፡ ኣብ ግዝኣት ራኺን ብዘካየድዎ ወፍሪ ፡ ብውሕዱ 10 ሽሕ ሰባት ምቕታሎምን ኣስታት 700 ሽሕ ዝኾኑ ሮሂንግያ ናብ ባንግላደሽን ካልኦት ሃገራትን ምምዝባሎምን ስዒቡ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመልክት ።






