
ዋና ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ክፍጸም ዝጸንሐ መጥቃዕትታት ድሮን ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘሻቅልን ምዃኑ፡ ሎሚ 02 ሕዳር ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘረገሖ ጽሑፍ ገሊጹ።
ብሰንኪ እዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ድማ፡ እቲ ዛጊድ’ውን ተሃስዩ ዘሎ ስርዓት ጥዕና እዘን ክልላት ናብ ምሉእ ምፍራስ የምርሕ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።
ዶ/ር ቴድሮስ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ “ጃሪ ሁለት” ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓድሽ ዝተወለደ ህጻን ሓዊሱ ሓያሎ ህጻናት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢ ራማ፡ ሰለማውያን ሰባት መግቢ ንምንዳይ ኣብ ዝተንቀሳቀሱሉ እዋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ከምዘለዉ እቲ ዋና ዳይረክተር ኣቃሊዑ።
ዶ/ር ቴድሮስ፡ እዞም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ዘለዉ መጥቃዕትታት ድሮን ፡ ህልቂት ሰለማውያን ሰባትን እዋናዊ ሓደጋ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብተደጋጋሚ ዝኽሰቱ ዘለዉ ልሙዳት ፍጻመታት ምዃኖም ብሓዘን ገሊጹ።
እቲ ኲናት ነቲ ስርዓት ጥዕና ብዝኸፈአ መልክዑ ይሃስዮ ከምዘሎ ዝሓበረ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቶም ሆስፒታላት ከቢድ ሕጸረት ሰበ-ሞያ ጥዕና፣ መድሃኒትን መሳርሒታትን ይረኣይ ምህላዉን፡ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ’ውን ኣዝዩ ዝተደረተ ከም ዝኾነን ሓቢሩ ።
ብሰንኪ ዘይምርግጋእ ጸጥታ፡ ህይወት ዘድሕኑ ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንምብጻሕ ከቢድ ዕንቅፋት ኮይኑ ይርከብ።
ትካል ጥዕና ዓለምን መሻርኽቲ ውድብ ሕቡራት ዓለምን (UN)፡ ኣብ ኩሎም ዝተሃሰዩ ከባቢታት ተወሳኺ ሕክምናዊ ቀረባት ንምብጻሕ ለይትን መዓልትን ይሰርሑ ከምዘለዉ ዘረጋገጸ ዶ/ር ቴድሮስ፡ እንተኾነ ግን ግጭታት እንተቀጺሎም ዝያዳ ሰባት ህጹጽ ኣገልግሎት ሕክምና፣ ክንክን ኣደታትን ሕጻናትን ከምኡ’ውን ፈውሲ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዕድል ምርካቡ ምሉእ ብምሉእ ዝጸበበ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።
ኣብ መወዳእታ፡ ሰለማውያን ሰባት ክዕቀቡ ከም ዝግባእ ዝገለጸ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሰብኣዊ ሓገዛትን ድማ ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ናብቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ክበጽሑ ክፍቀደሎም ጸዊዑ።
ዶ/ር ቴድሮስ፡ “እቶም ልዕሊ ኹሉ ትብዓት ዘለዎም ሰባት ሰላም እዮም ዝመርጹ፥ ምኽንያቱ እቲ ዝበለጸ መድሃኒት ሰላም ጥራይ እዩ” ብምባል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።





