(ታሪኽ፡ ፍቕርን ዘይበርስ ዝኽርን ናይ 80ታት ስፖርት ሃገርና)
ሓድሓደ ስእልታት ካብ ሽሕ ቃላት ንላዕሊ ይዛረቡ! እዛ ኣብ ቅድሜና ትርከብ ፍልይቲ ምስሊ፡ ተራ ናይ መዘከርታ ስእሊ ጥራይ
ዘይኮነትስ፤ ታሪኽ፡ ናፍቖት፡ ክብረት፡ ከምኡ’ውን ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ዘይሃሰሰ ናይ ሓቀኛ ስፖርታውያን ፍቕርን ሕውነትን
ዝሓዘለት ህያው ሰነድ እያ።
እዛ ስእሊ ብዕለተ ሰኑይ 26-10-2026 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረ ናይ ዕርክነትን ተዘክሮን ምሸት ዝተሳእልዋ
ኮይና፡ እዞም ኣብኣ ዘለዉ ክልተ ክቡራት ገዳይም ስፖርታውያን ድማ ኣብ ታሪኽ ስፖርት ሃገርና ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ፍሉይ ናይ 80ታት መድረኽ ኩዕሶ እግሪ ዓቢ ዓሸራ ዘንበሩ ኣርካናትና እዮም።
🌟ካብ ጸጋም ንየማን ቀዳማይ ዘሎ ኣማንኤል ኪዳነ (ጥልያን) ይበሃል – ኣማንኤል እቲ መሃንድስ ማእከል ሜዳ ናይ ኩዕሶ እግሪ ጉዕዞኡ ካብ ዕዳጋ ሓሙስ ቀበሌ “መሰረት”ብፍቕርን ብዓቢ ድራኸን ዝጀመረ ኣማንኤል ኪዳነ (ጥልያን)፡ ምስ ዓበይቲ ክለባት ከም ኣዱሊስ፡ ኤሌክትሪክ (ኤልፓ) ከምኡ’ውን ፖሊስ ብዝለዓለ ብቕዓት ተጻዊቱ ዋንጫታት ብምዕታር ኣብ ልቢ ደገፍቲ ዝነገሰ ብሉጽ ተጻዋታይ እዩ። ኣማንኤል ኣብ ማእከል ሜዳ (ምክፍፋል) ዝጻወት ኮይኑ፡ ብሓጺርን ጽፉፍን ምቅብባል፡ ንነጻ ቦታታት ብብልሒ ናይ ምምዝማዝን፡ ናይ ምርኣይ (vision) ዓቕሙ ዝተመስከረሉ
ፍሉይ ተውህቦ ዝነበሮ እዩ። እቲ ኣብ ልምምድ ብትግሃት ዝሰርሖ ኣብ ሜዳ ብዘደንቕ ጥበብ ዘተግብር፡ ብሓጺሩ ሓደ ምሉእ ናይ
ማእከል ተጻዋታይ ከማልኦ ዝግብኦ ኩሉ ዝተዓደለ ናይ ሜዳ መሃንድስ ነይሩ! ኣብ መጨረሽታ 80ታት ዝለዓል ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ብጀርመናዊ ሚስተር ክላውስ ብምውሳድ ሰርትፍኬት ናይ ኣሰልጠንቲ ከምዘለዎ ውልቃዊ ሰነዳቱ ይሕብር።
🌟 ካብ ጸጋም ንየማን ካላኣይ ዘሎ እዮብ ዮውሃንስ ይበሃል። እዮብ እቲ ኣብ ሜዳን ኣብ ምምሕዳርን ዘንጸባረቐ ጽኑዕ ዓንዲ መበገሲ ናይ ኩዕሶ እግሪ ህይወቱ ካብ “መደበር” ዝጀመረ እዮብ ዮውሃንስ፡ ብዝለዓለ ቁመና፡ ስፖርታዊ ወንን ጽንዓትን ምስ ክለባት ዶጓዓሊ ከምኡ’ውን ኣስመራ ቢራ (ሜሎቲ) ብብቕዓት ተጻዊቱ ዘሐበነ ተጻዋታይ እዩ። እዮብ ኣብ ማእከል ምኽልኻል ተሰሊፉ ዝጻወት ኮይኑ ኣብ ሜዳ ውሽጢ ብውሕሉል ጥበብ፡ ኩዕሶ ረጊጽካ ምጽዋት፡ ጻዕራም፡ ነካስ፡ ጋንታ ኣወሃሂዱ ዝጻወት ኮይኑ ከም መንነቱ ኣብ ውሽጡ ኣስሪጽዎ እዩ። እዮብ ፍቕሩ ኣብ ሜዳ ጥራይ ኣየብቅዐን—ብድሕሪ ናይ ተጻዋታይነቱ ዘመኑ ኣብ ክለብ ሜሎቲ ከም ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ነታ ጋንታ ብተወፋይነትን ብዘይሕለል ፍቕርን ኣገልጊልዋን ኣብ ዓወት ኣብጺሕዋን እዩ። ካብ ኩዕሶ እግሪ ሓሊፉ ድማ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ሃገርና ብምምሕዳራዊ ሸነኽ ምስ ክለብ ስካንያን ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታን ኮይኑ ዓቢ ኣበርክቶ ዘበርከተ ብሉጽ ኣገልጋሊ ስፖርት እዩ።
እዞም ክልተ ናይ 80ታት ክቡር ዕንቍታት ሎሚ ብሓባር ኮይኖም ነቲ ዘሕለፍዎ ናይ ሜዳ ጅግንነትን ጽቡቕ ተዘክሮታትን ከዕልሉ እንከለዉ ምርኣይ፡ ንዓና ነቶም ብታሪኾም እንሕበን ወለዶታት ዓቢ ሓበንን ትርጉምን ዝህብ እዩ።
ንኽልቲኦም ክቡራት ገዳይም ኣርካናትና ኣኣብ ዘለውዎ ሙሉእ ጥዕና፡ ፍቕርን ነዊሕ ዕድመን ንምነየሎም! ንስፖርታዊ ክብረትና ዝሓለፉ ዓበይትና ብህይወቶም ከለዉ ምዝካርን ምኽባርን ባህልና ይኹን፡ ገዳይም ብሉጻት ስፖርታውያትና ሃብቲ ሃገርና ምስ ግዜ ምንዋሕ ንኸይርስዑ ብቐጻሊ ክንዝክሮምን ክንጽሕፈሎምን ይላበው! 🇪🇷
#ታሪኽ_ስፖርት_ኤርትራ
ዳኒኤል መንስግቱ (ጋዜጠኛ)






