ኣኒ ኣንድሪውስ፡ ኣብ ደቡብ ካሮላይና መንበር ሴኔት ብምርካብ፡ ንሪፓብሊካን ዝነበረ መንበር ናብ ዲሞክራት ክቕየር ከም ዝገብረት፡ ሎሚ 04 ሕዳር፡ ካብታ ሃገር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ምርጫ ሴኔት ኣመሪካ ኣብ ክልል ደቡብ ካሮላይና፡ ዲሞክራት ዝኾነት ኣኒ ኣንድሪውስ፡ ሪፓብሊካን ዳርሊን ግራሃም ብምስዓር፡ ነቲ ብሪፓብሊካን ፓርቲ ተታሒዛ ዝጸንሐት መንበር ሴኔት ናብ ዲሞክራት ከም ዝቐየረቶ ተሓቢሩ።

ኣኒ ኣንድሪውስ፡ ብሞያ ሓኪም ህጻናት ኮይና፡ ኣብቲ ምርጫ ኣብ ምቕናስ ወጻኢታት ናብራን ምምሕያሽ ኣገልግሎት ጥዕናን ዘተኮረ መደብ ኣቕሪባ ምንባራ ዝፍለጥ’ዩ።

Democrat Annie Andrews wins election to US Senate from South Carolina |  king5.com

እታ ዝተሳዕረት ዳርሊን ግራሃም፡ ሓፍቲ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2026 ዝሞተ ነባር ሪፓብሊካን ሴነተር ሊንድዚ ግራሃም እያ።

ንሳ፡ ድሕሪ ሞት ሓዋ፡ ነቲ ክፉት ዝነበረ መንበር ሴኔት ብምትካእ ክትሰርሕ ተመዚዛ ክትሰርሕ ጸኒሓ’ያ።

ብዓወት ኣንድሪውስ፡ ደቡብ ካሮላይና፡ ካብ 1998 ንደሓር ንመጀመርታ ግዜ ኣባል ዲሞክራት ናብ ሴኔት ኣመሪካ ክትመርጽ ክኢላ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ግዝኣት ናብ ሴኔት እትምረጽ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና።
እዚ ውጽኢት፡ ኣብታ ብተለምዶ ደጋፊት ሪፓብሊካን ፓርቲ ኮይና ዝጸንሐት ግዝኣት ዝተራእየ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ለውጢ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።