ሲራክ ሚኪኤል

ኤርትራዊ ትውልዲ ዘሎዎ ኣመሪካዊ መንእሰይ ሲራክ ሚኪኤለ፡ ብ 3 ሕዳር 2026 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ባይቶ ከተማ በርክሊ፡ ካሊፎርንያ፡ ኣብ ወረዳ 7 ብምዕዋት ኣባል እቲ ባይቶ ንምዃን ተዓዊቱ።

ሲራክ፡ ንመቀናቕንቱ ኣይደን ሂል ብዝለዓለ ድምጺ ብምርታዕ፡ ኣብቲ ወረዳ 67.8 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ተቀናቓኒኡ 32.1 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ።

እቲ ኣብ መጀመርታ ዝተኣወጀ ውጽኢት 439 ድምጽታት ዘካተተ’ዩ።

ሲራክ፡ ኣብ በርክሊ ዝተወልደን ዝዓበየን ኮይኑ፡ ወለዱ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ናብ ኣመሪካ ከም ዝኣተዉ ይግለጽ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ በርክሊ፡ ብዓውዲ ቁጠባን ህዝባዊ ፖሊሲን ተማሂሩ ኣብ ታሕሳስ 2025 ከም ዝተመረቐ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ወፍሪ ምርጭኡ፡ ተመጣጣኒ መንበሪ ኣባይቲ፥ መሰላት ተኻረይቲ፥ ድሕነት ህዝብን መሰላት ሰራሕተኛታትን ቀንዲ ዛዕብኡ ብግምባር ተወዳዲሩ።

እቲ ውጽኢት ካብ ኣብ መጀመርታ ዝግበር መስርሕ ምቑጻር ድምጺ ዝመንጨወ እኳ እንተኾነ፥ እቲ መወዳእታ ዉጽኢት ወግዓዊ ምርጫ ገና ክረጋገጽ ከም ዘለዎ ምንጭታት ተንተንቲ የገንዝቡ።