ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ብዛዕባ ፕሮግራም ኑክሌር ኢራን ሓበሬታ ንዝህቡ ሰባት ክሳብ 20 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ክኸፍል ምዃኑ ዝገለጾ ተበግሶ፡ ሕቡራት መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካል ጸረ-ኑክሌርን ክኹንንዎ ጸዊዑ።
ኣራግቺ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ መደብ “ሽልማት ንፍትሒ” ዝተኣወጀ ሽልማት፡ ኣብ ልዕሊ ኑክሌራዊ ትካላትን ሳይንቲስታትን ኢራን ስለያዊ ዕማማት፥ ምጥፋእ ሰባትን ምዕናው ትካላትን ሓደጋ ከምጽእ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ኣራግቺ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ እቲ ተበግሶ ንምስጢራዊ ሓበሬታ ኑክሌራዊ ትካላት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ትካል ተቆጻጻሪ ኒዩክለሳዊ ንጥፈታት ዘለዋ ትካላት ንስለያዊ ዕላማ ከይውዕል ሓላፍነት እቲ ትካል ክሕሉ ጸዊዑ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ቦርድ ኣመሓደርቲ እቲ ትካል እውን ክቐርብ ሓቲቱ።
ብተወሳኺ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት እቲ ተበግሶ ኣብ ሰላምን ዓለምለኻዊ ጸጥታን ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤን ክምርምርን ኣመሪካ ተሓታቲት ክትከውንን ጸዊዑ።
እቲ ክርክር፡ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ብዛዕባ መደብ ኑክሌር ኢራንን ዓለምለኻዊ ቁጽጽሩን ዘሎ ወጥሪ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን ዝተላዕለ’ዩ።






