መንግስቲ ሶማልያ፡ ሎሚ ሓሙስ 19 ሕዳር 2026፡ ንኣምባሳደር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝኣዘዘን፡ ኣብ ኣቡዳቢ ንዝርከብ ኣምባሳደሩ ድማ ንምኽክር ከም ዝጸውዐን መርበብ ሓበሬታ ሶማሊ ጋርድያን ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዛ ዓብዲ ባረ፡ ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ድሕሪ ዝተገብረ ዘተ ኰይኑ፤ ሰበ-ስልጣን ሶማልያ ንተግባራት ኢማራት ከም “ቅሉዕ ወራር” ብምግላጽ፡ ልዑላውነት ሃገሮም ከምዝተጣሕሰ ከሲሶም ኣለዉ።
ብመሰረት እዚ ውሳነ፡ ኣምባሳደር ኢማራት ኣሕመድ ጁማ ኣልረመይቲ ካብ ሞቃዲሾ ክወጽእ ክንገሮ ከሎ፤ ኣምባሳደር ሶማልያ ኣብ ኢማራት ሑሴን ዓብዲ ሃላነ ድማ ንምኽክር ናብ ሃገሩ ክምለስ ተኣዚዙ ‘ሎ።
ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዓብዲፋታሕ ቃሲም ማሕሙድ፡ ምስ ኢማራት ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ዝግበር ምትእትታው ዝድግፍ ዝኾነ ይኹን ሰብ ስጉምቲ ከምዝውሰዶ ኣጠንቂቑ።
ህዝቢ ሶማልያ ድማ ልዑላውነት፣ ጸጥታ፣ መሬትን ሓድነትን ሃገሩ ንምክልኻል ብሓባር ደው ክብል ጸዊዑ።
ካቢነ ሚኒስተራት ሶማልያ ነዚ ውሳነ ዝወሰደ፡ ኢማራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማልያ ትገብሮ ኣላ ዝተባህለ ቀጻሊ ምትእትታው ዘርኢ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ድሕሪ ምርኣዩ እዩ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ኣቶ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ 17 ሕዳር 2026 ብተለቪዥን ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንኢማራት ምኽሳሱ ይዝከር።
ንሱ፡ “ኢማራት ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ንዝንቀሳቐሱ ክልላዊ ምምሕዳራት ገንዘባውን ፖለቲካውን ደገፍ ትህብ ኣላ” ኢሉ ነይሩ። ብዘይ ፍቓድ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ወደባት በርበራ፣ ቦሳሶን ኪስማዮን ስምምዓት ከም ዝኸተመትን፡ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ዝኾኑ ዕጡቓት ሓይልታትን ወተሃደራዊ መዓስከራትን ከም ዝደገፈትን’ውን ገሊጹ።
መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነዚ ናይ ሎሚ ትእዛዝ ዝምልከት ወግዓዊ መልሲ ኣይሃበን። ኣቐዲሙ ግን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢማራት ኣቶ ኣንዋር ጋርጋሽ፡ ንዘረባ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ “ንውልቃዊ ፖለቲካዊ ረብሓ ዝተዛረቦ እምበር ንረብሓ ሃገሩ ሓሲቡ ዝተዛረቦ ኣይኮነን” ብምባል ነጺጉዎ ነይሩ እዩ።
እዚ ጽልኢ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጀመረ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2026 ሶማልያ ምስ ኢማራት ዝነበራ ኩሉ ወደባውን ወትሃደራውን ስምምዓት ምስ ሰረዘት ክኸውን ከሎ፥ ክልላት ሶማሊላንድ፣ ፑንትላንድን ጁባላንድን ግን ነቲ ውሳነ ተቓዊመን ምስ ኢማራት ዝነበረን ርክብ ቀጺለን እየን።
ኢማራት ንዓመታት ንኣስታት 3,400 ወተሃደራት ሶማልያ ደሞዝን ስንቅን ብምሃብ ክትድግፍ ከም ዝጸንሐት ይግለጽ።
እዚ ዉሳነ ናይ ሎሚ ሓሙስ ዉሳነ፡ ንዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምሉእ ብምሉእ ዘቋርጽ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዝቕጽሉ 72 ሰዓታት እቲ ትእዛዝ ብኸመይ ከምዝፍጸምን እቶም ምስ ኢማራት ዝተሻረኹ ክልላዊ ምምሕዳራት እንታይ ስጉምቲ ከምዝወስዱን ዓቢይ ክትትል ይግበረሉ ኣሎ።






