Egyptian President Abdel Fattah El-Sisi and Libyan Prime Minister Abdul Hamid Dbeibah (Dbeibeh)

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ፖለቲካዊ ምፍልላይን ዕጽዋ ኤምባሲን፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ግብጽን ሊብያን ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ይኽፈት ኣሎ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣል-ሲሲን ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ሊብያ ዓብዱልሓሚድ ድበይባን፡ ሎሚ ሓሙስ 19 ሕዳር፡ 2026 ፡ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ከም ዝዘተዩ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ሞስጣፋ ማድቡሊ ዝተረኽበሉ እቲ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪኻውን ቁጠባውን ምትእስሳር ዳግም ንምሕዳስ ዝዓለመ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣኼባ፡ ሚኒስተራት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቅድሚ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዜጋታትን ቁጠባን ቀጥታዊ ጽልዋ ዘለዎም ትሽዓተ ስምምዓት ከቲሞም።

እቶም ስምምዓት ኣብ ምምዕባል መሰረተ-ልምዓት ተፈጥሮኣዊ ጋዝ፥ ምጽራይ ነዳዲ፥ ሳይንሳዊ ምርምር ከምኡ’ውን ልምዓት ሃብቲ ዓሳ ዘተኮሩ’ዮም።

ብተወሳኺ፡ ንመንእሰያትን ሰራሕተኛታትን ዝሕግዝ ሞያዊ ስልጠናን ደገፍ ንኣሽቱ ትካላት ንግድን ኣብቶም ዝተኸተሙ ሰነዳት ተኻቲቶም ኣለዉ።

ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ኣብቲ ዘተ ጉዳይ ተራ ዜጋታት ሊብያ ዓቢይ ቦታ ተዋሂብዎ ምንባሩ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ድበይባ፡ ኣብ ግብጺ ዝነብሩ፥ ዝመሃሩን ዝመላለሱን ዜጋታት ሊብያ ዘጋጥሞም ናይ ቪዛ፡ መንበሪ ፍቓድ ከምኡ’ውን ኣብ መሬታዊ ዶብ ዘሎ ምድንጓያት ከም ዘልዐለ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ድማ ነዞም ጸገማት ብቕልጡፍ ንምፍታሕን፡ ንዜጋታት ሊብያ ቀሊል መስርሕ ንምፍጣርን፡ ንሰበ-ስልጣን ሃገሩ ቀጥታዊ መምርሒ ሂቡ።

እዚ ዑደት፡ ግብጺ ን12 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ኤምባሲኣ፡ ዳግም ድሕሪ ምኽፋታ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ዞባዊ ምርግጋእን ጉዳይ ዶባት ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕርን ‘ውን ርእይቶታት ተለዋዊጦም ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ የመልክት።