ኣብ ኤርትራ፡ ካብ 19 ሕዳር 2004 ኣትሒዞም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርግስ፣ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስን ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብን፡ ኣብ መበል 22 ዓመት ማእሰርቶም ኣድሂቡ ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ዝኽርታት ይካየድ ኣሎ።

እቶም ሰለስተ ካህናት፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ንምሕዳስ ቤተ ክርስቲያን ዝጽዕር ንቕሎ ንጡፋት ተሳተፍቲ ከም ዝነበሩ ይግለጽ።

ብ19 ሕዳር 2004 ድማ ብትእዛዝ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ከም ዝተኣስሩ ዝዝከር’ዩ።

ካብቲ ዝተኣስሩሉ ዕለት ኣትሒዞም፡ ክሳዕ ሕጂ ብወግዒ ዝቐረበሎም ክሲ፣ ዝተኻየደ ፍርዳዊ መስርሕ ወይ ዝተወሰነ ፍርዲ ከም ዘየለ ተጠቒሱ ኣሎ።

እቶም ካህናት ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ይኹን ሕጋዊ ደገፍ ክረኽቡ ዕድል ከም ዘይተዋህቦም፡ ኣባላት ስድራቤቶምን ጸብጻብ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ይሕብሩ።

ማእሰርቲ እቶም ካህናት ኣካል ናይቲ ኣብ ኤርትራ ንናጽነት ሃይማኖትን ንንጥፈታት ሃይማኖታዊ ትካላትን ዝተገብረ ገደባት ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ከም ዘለዉ፡ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ጸብጻባት የመልክቱ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ መቕርቦም፣ ፈለጥቶምን ደቂ ማሕበሮምን፡ ኣብ ክብርታቶምን ተወፋይነቶምን ኣድሂቦም ኣብ መስርሕ ምዝካር ይርከቡ።